ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ኣሎ ዶ!! ??

ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት  ኣሎ ዶ!! ??
 
ፍቁር ሓወይ እዚ ዘለናዮ ዘበን ምልክታት መወዳእታ ዘበን ዝርኣየሉ፡ዓለምና ናብ ፍጻመ ትጓዓዘሉ፡ምጽኣት እቲ መሲሕ ክርስቶስ እንጽበየሉ።(ማቴ24፡6-8)(ማር13፡7-8)(ማቴ24፡14)ንሱ ብስልጣንን ብግርማን ክመጸና እንጽበየሉ እዋን  በጺሕና ከም ዘለና ትርእዮ ዘለኻ ሓቂ ኢዩ።እሞኸ ተቀሪብካ ዶ ኣለኻ?።(ሉቃ9፡26)
 
ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይበለና፡(ራእ20፡15)”ዝኾነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ሂወት ተጻሒፉ ዘይተረኽበ ድማ ናብቲ ቃላይ ሓዊ ተደርበየ”።እሞኸ ክቡር ሓወይ ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ተጻሒፉዶ ኣሎ??!!።ክርስቶስ ምስ መጸ ከምኡ እውን ዕድመና ኣኺሉ  ድዩ ዋላ ብ ሓደጋ ካብዛ ዓለም ምስ ገዓዝና ስምና ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ተዘየለ ጭንቂ ክኸውን ኢዩ።እዛ ነገር እዚኣ ካብቲ ኩሉ ሻዕ ተተሓሳስበኒ ነገር እያ።ኣስማቶም ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ከይተጻሕፈ ዝጸንሑ ሰባት፡እቶም ኣየር እንዳ ነቀለት ኣየር ትከት ዘይብሎም ሰባት ይመስሉ።እሞኸ ትኣየር ትመጽእ ኣላ፡ቦታ ንምሓዝ ትከት ቆሪጽካ ዶ።
ኣብ (ራእ20፡12) “ምዉታት ድማ፡ዓበይትን ናእሽቱን፡ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ።መጻሕፍቲዉን ተገንጸሉ።ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት ኢዩ።እቶም ምዉታት ድማ፡ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ዝጸንሔ ከከም ግብሮም ተፈርዱ”።ክብሪ ን ኣምላኽ ይኹን ሓወይ ግብረይን ግብርኻንሲ ኣብ ቅድመ ኣምላኽ ከመይ ኮን ይኸውን!!።ብሓቂ ኣብዛ ሓላፊት ዓለም ብምስትውዓልዶ ንማላለስ ኣሎና።ኣምላኽ በቶም ንገብሮም መዓልታዊ ሂወትናን ሓሳብናን ዝጉሂ ተኾይኑ እቲ መጽሓፍ ሂወት ምስ ተገንጸለ፡ግብርና ክፉእን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፋንን ኮይኑ ተጸኒሑ፡ከም ግብርና ክንፍደ ኢና።እሞኸ ብግብርኻ ን ኣምላኽ ተኽብሮዶ፡ከተኽብሮ ኸ ሓሲብካ ዶ ትፈልጥ ??።ብ ክርስቶስ ከ ብኣውራኡ ጋና ኣማኒ ዲኻ ??!!።ን ኣምላኽ ከተኽብሮ ዝወሰድካዮም ስጉምቲታት እንታይ ኣሎ።
ብዙሓት ሰባት ን ኣምላኽ ምኽባር ሂወቶም ን ኣምላኽ ከይሃቡ፡ገንዘብ ን ቤት ኣምላኽ ምሃብ ከም ስራሕ ወይ ድማ ኣበርክቶ ዝቆጽሩዎ መሊኦም እዮም።ግን ኣምላኽ ቀዳምነት ዘድልዮ ካባና ገንዘብና ዘይኮነስ ሂወትና ኢዩ።እምበኣር ሎሚ ብ ልዉጥ ሂወት ክትነብር ስምካ ኣብቲ መጽሓፍ ሂወት ክጽሕፎ ጎይታ ይጽወዓካ ኣሎ።ግን ክንደይ መዓልቲ ኮን ኢና ዘይልዉጥ ሂወት እንዳነበርና፡ ክርስትያናት ኢና እንዳበልና መንፈሳውያን ኢና እንዳበልና ንጻዊዒት ኣምላኽ ጸማም እዝኒ ሂብናዮ ንኸይድ ዘለና!!!!።(ሮሜ 2፡12-13) (ገላ5፡21)
 ናይቲ ሕያዋይ ኣምላኽና ቃል ከምዚ ይብል።(ዕብራውያን3፡8) “ከምቲ ብ ነድሪ በታ መዓልቲ ፈተና ኣብ በረኻ ዝገበርኩምዎ ልብኹም ኣይተትርሩ”(ዕብ 3።15)እሞኸ ክሳዕ መዓስ ኢና ልብና ኣትሪርና ክንከይድ።ነየነይቲ ሂወት ኢና ኸ ካብ ኣምላኽ ርሒቅና ንነብረላ።ዘይ ኣኽለና ክሳድካ ምትራር (ዘዳ10፡16)ከምቲ (ኤር29፡13)”ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ ፡ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም”ይብለና። እሞኸ ን ኣምላኽ ከይንረኽቦ ዝዓግተና ዘሎ ሓይልስ እንታይ ኮን ይኸውን?!፡ነዚ መጋራጃ እዚ ግን ሎሚ ኣብ እግሪ ጎይታ ኣብታ ዘለናያ ተንበርኪኽና ጎይታ ምሕረት ግበረለይ ኣነ ገበነኛ ኢየ ምሓረኒ ንበል።ንነሳሕ ድሕሪ ንስሓ ድማ ኣምላኽ ከም ዝሓደገልና ብምሉእ ልብና ንእመን ።ካብ ሽዑ ን ሂወትና ከም ስድራ ኣምላኽ ብምውሳድ ኣብቲ ኣብ ከባቢና ዘሎ ቤት ኣምላኽ እንዳ ተማላለስና ፡ዘለና ጾርን፡!!ሰኸምን ንዕኡ እንዳ ሃበና ዱሉዋት ንኹን።
 
ምርጫኻ ሎሚ እንበኣር የሱስ ክርስቶስ በዓል ናዝረት ይኹን።(ህዝ33፡11)”ኣነ ህያው እየ፡ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ረሲእ ካብ መገዱ ኽምለስ እሞ ብህይወት ኪነብር እምበር፡ብ ሞት ረሲእ ባህ ኣይብለንን ኢዩ።ኣቱም ቤት እስራኤል፡ስለምንታይ እትሞቱ፡ካብቲ እኩይ መገድኹም ተመለሱ፡ተመለሱ,,,”ይብል እግዚኣብሄር ።ኣይፋል ተልና ግን ክንጠፍእ ኢና “፡ኣይፋልኩምን ተዘይ ተነሳሕኩምሲ፡ኩላትኩም ከምኡ ኽትጠፍኡ ኢኹም፡እብለኩም ኣለኹ”።(ሉቃ13፡5)( ዘዳ8፡20) እንበኣር ኣይትዶንጊ ነዛ ዘላትካ ሰዓት ናይ ዕርቅን ንስሓን ሰዓት ግበራ።(ራእ1፡7)”እንሆ ብደበና ይመጽእ ኣሎ።ኩለን ኣዒንትን እቶም ዝወግእዎን ከኣ ኪርእይዎ ኢዮም፡ብዘለዉ ዓሌታት ምድሪዉን ኪበኽዩሉ ኢዮም”።እወ ኣሜን።

2ይ ክፋል መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ።

2ይ ክፋል መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ።

ገለ ሰባት ነታ መናፈቕነት እትብል ዘይፈለጥዋ ክኾኑ ከለዉ። ገለ ግን መኣዘኣን ዘለዋ ሚዛንን ንምድኻም ኣብ ጠቅሞም ከውዕልዋ ይፍትኑ ምህላዎም ኢዩ።እስከ ገለ፡- ሰኣን ፍልጠት ካብ ዝበሃል።መዝሙርን መሳርሒ መዝሙርን ከምኡ እውን ባህሊ  ሃይማኖትን ንሰብ መናፍቅ የብሎዶ ትብሉ??።ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ይብል ቃል ኣምላኽ።(ሆሴእ4፡6)ካብቲ ዘገርም ብዙሓት ሰባት ስለጠቅሞምን ስለ ሞያኦምን ክብሉ።ነቲ ዘይምምሃር ህዝብና ኣብ ሃይማኖት ተጠቂሞም።

 
ንመሳርሒ ሙዚቃ ከም መፍለዪ እምነት ክጥቀምሉን ክምህሩሉን ይፍትኑ ምህላዎም ርእሱ ዝኸኣለ ምትእቲታው ዘይ ኦርቶዶክሳዊ ሜላ ትምህርቲ ኢዩ።ሰብ ተደልዩ ብ እቲ ክቡር ኣቦና ቅዱስ ያረድ ዝገደፈልና ተደለና ባዕልና ዜማን ግጥምን ገርና ብደስ ዝበለና መሳርሒ ሙዚቃ ገርና ክንዝምር ንኽእል ኢና።እዚ ፍጹም ኢዩ ንሰብ መናፍቅ ዘየብሎ።ከምኡ ተኾይኑ እዘን ኩለን ዝጠቅሰን ኦርቶዶክሳውያን ኣብየተ ክርስትያናት መናፍቅ ኢየን ማለት ኢዩ።ነዚ ሎሚ ብመሰረት ጭብጢ ክንርእዮ ኢና።
ኣደ ቤተ ክርስትያና ዝኾነት ግብጺ ቤተ ክርስትያን መሳርሒ ሙዚቅ ትጥቀም http://www.youtube.com/watch?v=BziWchb-rsw።ናይ ሶርያ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን  ብኹሉ መሳርሒ ሙዚቃ መዝሙር ትጥቀም።http://www.youtube.com/watch?feature=player_detailpage&v=w9L7pRmScXA። ናይ ህንዲ ናይ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን፡ብ ሙዚቃ ኢዩ ክሳዕ እቲ ቅዳሴ ዝካየድhttp://www.youtube.com/watch?feature=player_detailpage&v=ycs2lxM-WvE።ናይ ኣርማንያ ኦርቶዶክስ  ተዋህዶ ተሪኢና እውን ከምኡ።http://www.youtube.com/watch?v=1CRggbHt5wM ።ሰርብያ ኦርቶዶክስ ተሪኢና ከምኡ።http://www.youtube.com/watch?v=bewCMAjypqk።ሩስያ ኦርቶዶስ ተረኢና ከምኡ።ቡልጋርያ ኦርቶዶክስ http://www.youtube.com/watch?v=fGjBQsUQf60።
 
ኩለን ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣብያተ ክርስትያናት ኦርቶዶክስ ብ ኦርጋንን ካልእ መሳርሒ ሙዚቃን ይጥቀማ።(2ይ ዜና5፡13)(2ይ ዜና7፡6)(2ይዜና29፡26)(2ይ ዜና16፡42)(2ይዜና34፡16)(2ይዜና 23፡13)ናይ ኤረትራ ተኾነት እውን ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ክሳዕ 2006 ትጥቀም ነይራ ኢያ።እዚ ንሕና ንጥቀመሉ ያረዳዊ ዜማ ዲዩ ከበሮ ብዘይካ ኣብ ኤረትራን ኢትዮጵያን ኣብ ካልእ ዝፈልጦ ፍጹም የሎን።እዚ ክብል ከለኹ እንታይ ክብለና ደልዩ ኢዩ ከም ትብሉ ይርድኣኒ ኢዩ።ዝብለኩም ዘለኹ ሰብ ብደስ ዝበሎ ክዝምር መሰሉ ኢዩ።ኩሉኹም በብኽእለትኩም ዋላ ብ ቴኖ ኣመስግንዎ ወይ ድማ ነመስግኖ። በዚ ክንሰሓሓብ ፍቃድ ኣምላኽ ኣይኮነን።
 
መሳርሒ ሙዚቃ ኮነ ሓፈሻዊ መዝሙር መፍለዪ ሃይማኖት ኣይኮነን።መምዘኒ ኦርቶዶክሳዊነት ኣይኮነን።፡ኪኸውን እውን ኣይክእልን ኢዩ ስለምንታይ።ን ኣምላኽ መምለኺ ደኣ እንበር ዝምለኽ ስለ ዘይኮነ።ከምቲ ክትበልዕ ገሊኻ ብ ኢድካ ትበልዕ ገሊእካ ኸኣ ብ ማንካ ትበልዕ ኢዩ።ምስ እዞም ኣብየተ ክርስትያናት ብፍላይ ግብጽን፡ህንድን ኢትዮጵያን፡ኤርትራን ሶርያን ኣርማንያን ፡ምስኦምሲ ሓደ ቁርባና ሓደ መንበርና ኢና።እሞኸ መናፍቃን ኢዮም ዶ ክንብሎም ኢና።ከምኡ ተኾይኑ ናይ በይንና ተዋህዶ ሰብ ዘይፈለጣ ኣላትና ማለት ኢዩ።እዚ ኹሉ እንበኣር መምዘኒ መናፈቅነት ኣይኮነን።ነዚ ከም መምዘኒ መናፈቕነት ምሕሳብ ንገዛእ ርእሱ ካብ መናፈቕነት ዝተላዕለ ዘይርእሰ ተኣማንነት ኢዩ።
እንተኾነ ከምኡ ኣይኮነን ኪኸውን ዝግባእ።ናብቲ ግቡእ ኣጠቃቅምኡ ክንከይድ ከለና ግን መናፍቅ ዝበሃል ነቲ ትኽክለኛ ናይ እምነት ወንጌል ከፊሉ ዝኽሕድ ከፊሉ ኸኣ ዝቅበል፡ብጥርጥር ዝነብር።መሰረት እምነቱን እግዚኣብሄር ዝተዛረቦ ቃል፡ ዝሓደገ ማለት ኢዩ።ን ቃል ኣምላኽ ዋላ እኳ ይቀበሎ ግንከ ብናቱ ፍልስፍና ከምኡ እውን ሓሳብ ቃል ኣምላኽ ሓዲጉ ዝጓዓዝ ማለት ኢዩ።ንክርስቶስ ከየምልኾ ዝጣራጠር፡ማለት ኢዩ።
መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ እንበኣር ቅድመ ምጥቃምና ክንፈልጦ ይግባእ።መናፍቅ ማለት ኣብ እምነት ዝጣራጠር ማለት ኢዩ።ሓደ ሰብ መናፍቅ ዝበሃል ኣንድነትን ሰለስትነትን ዘይቅበል፡ዝኽሕድ ዝቃወም፡ካብ ፍልስፍናኡን ስነ ሓሳቡን ብምብጋስ ካብ ናይ ቅዱሳን ሃዋርያት ሕብረት ብምፍላይ ፡ኣብ እምነት ክርስቶስ ሰብ ንክርስቶስ ከይቅበሎ ጥርጥር ዝምህር፡ብፍላይ ኣብ እግዚኣብሄር ወልድ ዝኽሕድ እሞ ብተደጋጋሚ ግደፍ ኢልካ ምዒድካዮ ምስ መኸርካዮን እምቢለይ ኢሉ ተኣብዩ  እዚ ከም ዝተባላሸወን ሓጥእን ባዕሉ ንባዕሉ ዝኾነነ ሰብ ምኻኑ ፈሊጥካ ምስ ፈለኻዮ ኢካ መናፍቕ ኢዩ ትብል(ቲቶ3፡10) ኣይ ረታዕካዮ ኣያረዳእካዮ መናፍቕ ኢዩ፡ምባል ግን ክርስትያናዊ ጥራሕ ዘይኮነስ።ንርእስኻ ኣብ ክሕደትን ኣብ ሓሶትን ትነብር ከም ዘለኻ፡ካብ ሕሱም ፍርሒ ዝተበገሰ ጭንቀትን፡ ኣብቲ ንስኻ ዘለካ እትሰብኮን እትኣምኖን ትምህርትን ቃልን እውን ርእሰ ተኣማኒነት ከም ዘይብልካን፡ከምኡ እንዳበልካ ካብ ሓልሃልታ ሓቂ ትድሕን መሲሉካ ይህውተት ከም ዘሎ ፡ዘቃልዕ።ይቅጽል ,,,, ናብ 3ይ ክፋል.,,,,, 

መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ??።

መናፍቅ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ??።

ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ መናፈቅነት እትብል ቃል ዘላቶም ርድኢት  ከምቲ ዝግብኣ ኣይኮነትን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣይፈለጡዋን እውን ዘለዉ።በዚ ድማ ዋላ ንኣመንቲ ከይተረፈ መናፍቅ ዝብሉ ከምኡ እውን ንረብሓኦም ክብሉ።እዚ ደኣ መናፍቅ እንድዩ ክብሉ ፡ንሰባት ከግልሉ ካብ ቅንኢ ብምብጋስ ናቶም ኣካይዳን ናቶም ኣተሓሳስባን ስለ ዘይተጠቀመ ጥራሕ መናፍቅ ዝብሉ ብዙሓት ኢዮም።በዚ ነገር እዚ ድማ ሰኣን እኩል ፍልጠት ቤተ ክርስትያን ሰብ ክገድፋን ጥርሓ ክትተርፍን፡ ይገብሩ ስለ ዘለዉ ።ኩሉ መታን ክፈልጦ ከይንታለል ነዚ ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ክንሪኦ ኢና። 
 
ቀዳማይ ነገር ትምህርትን ስርዓት ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ እንታይ ኢዩ??።ኢልና ምፍላጥ ከድልየና ኢዩ ንቅድመና።ነዚ ቃል እዚ ኣብቲ ናይ ኤረትራ ሕጊ ኦርቶዶክ ቤተ ክርስትያን ሰፊሩልና ኣሎ።ኣብ ሕጊ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ምዕራፍ ሓደ ዓንቀጽ1 መሠረተ ሕግን እምነትን ትምህርትን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን 81 መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ።ንዝኾነ እንሆ ምላሽ እንበኣር ካብዚ መጽሓፍ እዚ መሰረት ክኸውን ኣለዎ።
 
መናፍቅ ዝበሃል ሰብ ከመይ ዝበለ ኢዩ??።ተልና ናብቲ ቋንቋና ተተርጊምናዮ ፡ነፈቀ፡መቀለ፡ከፈለ ተጣራጠረ ተዋላወለ ማለት ኪኸውን ከሎ።መናፍቅ ዝብል ቃል መበገሲኡ ላቲን ኮይኑ”ሂሪቲክስ”(heretic)ዝብል ኮይኑ ኣብቲ መጀመርታ ሃዋርያት ወንጌል እንዳሰበኹ ከለዉ ኣይሁድ ንምንሻው ዘውጽእሎም ወይ ድማ ዝብልዎም ዝነበሩ ኢዩ።ስለዚ ማናፈቅነት እትብል ስም በቲ ሓደ ወገን ሃዋርያት ዝጽውዕሉ ነበሩ ስም እውን ኢዩ ነይሩ።ሓደ ግዜ ቅዱስ ጳውሎስ ነዛ ስም እዚኣ ከምዚ ኢሉ መለሰላ፡ኣንብብ(ግብ24፡14)ኣነ ግና ነቲ ኣብ ሕግን ነብያትን ተጽሒፉ ዘሎ ኹሉ እናኣመንኩ፡በታ ንሳቶም መናፍቕነት ዝብልዋ ዘለዉ መገዲ ኸምኡ ገይረ ን ኣምላኽ ኣቦታተይ ከም ዘምልኽ እዚ እእመነልካ ኣሎኹ።
ኣብ ግእዝን ኣረዳድኣ ቋንቋናን ተሪኢና መናፍቅ ንእትብል ቃል ነቶም ብክርስቶስ ዘይኣመንቲ ኮይና ተገልግል ነይራ ኣብ ናይ ኣቦታት ታሪኽ።እዚ ድማ ገለ ክርስትያናት ንክርስቶስ ምእማን ንዝኣበየ ሰብ ፡ነቲ ናይ ክርስቶስ እምነት እንተ ተጣራጢርዎ ንዕኡ ክህቡዎ ንርኢ። ን ሓደ ብክርስቶስ ዝኣምን ሰብ መናፍቅ ኢዩ ተጠንቀቅሉ ክትብል ከለኻ ግን ጽላለ ጥራሕ ኢዩ።ስለምንታይ ንብክርስቶስ ዝኣምን ሰብ መናፍቅ ምባል፡ነቲ ኣይሁድ ኣብ ልዕሊ ሃዋርያት ዝገብሩዎ ነበሩ ምድጋም ማለት ኢዩ።ኣንብብ(ግብ24፡14)
 
ብርግጽ ን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን መናፍቅ ምባል ፍርዲ ኣለዎ።ስለምንታይ ንሱ ብኣይ ዝኣምን ኩኔነ የብሉን ይብል ኣሎ።ኣንብብ(ሮሜ8፡1)ከመይ ገርካ ደኣ ኢዩ፡ንሓደ ብክርስቶስ ኣማኒ መናፍቅ ምባል፡ምፍራድ ዶ ኣይኮነን።ገለ ሰባት ስርዓት ናይታ ዝነብሩላ ቤተ ክርስትያን ስለ ዘይተቀበለ፡እዚ ደኣ መናፍቅ እንዲዩ ዝብሉ ኣለዉ እዚኦም ግን ምእንቲ ስርዓቶም ክብሉ ቃል ኣምላኽ ከንቱ ምግባር ኢዩ።ኣንብብ(ማቴ15፡6)ጎይታ ሓደ ግዜ ከምዚ ምስ ኣጓነፎ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ፡”ስለምንታይ ግዳ ንስኻትኩም ምእንቲ ስርዓትኩም ክትብሉ ትእዛዝ ኣምላኽ ተፍርሱ ኣለኹም”።በሎም።እዞም ብክርስቶስ ዘሎ ኩኔነ የብሉን እንዳበለ ቃል ኣምላኽ ንሶም ግን መናፍቅ ኢዩ።ከሓዲ ኢዩ ፡ከምዚ ኢዩ። ኣማኒ ዘይኮነ ዝብሉ እንበኣር። ምእንቲ ስርዓቶም ቃል ኣምላኽ የፍርሱ ከም ዘለዉ ክፈልጡ ይግባእ፡ንስኻ ኸ ካብቶም ኮነንቲ ዲኻ።ወይስ ነዚ ቃል እዚ ብልክዕ ትርድኦ ኢኻ?/።
 
ስርዓት ቤተ ክርስትያን ተሪኢና እተን ኦርቶዶክስ ዝበሃላ ኣብያተ ክርስትያናት ጥራሕ ኣብ ካልእ ከይበጻሕና ዓቢ ፍልልይ ዘለዎ ስርዓት ኣለወን ግንከ ኦርቶዶክሳውያን ኢየን።ገሊአን ኣብ ክርስትና ኣለና እንዳበላ ኦሪታዊ ዓይነት፡ ስርዓት ዝኽተላን፡ ክኾና ከለዋ።(ቆሎ2፡20-22) (2ይቆሮ3፡15)ገሊአን ግን ብልክዕ በቲ ወንጌል ብምኻድ ንሕና ሰብ ሓዲሽ ኪዳን ኢና ዝብላ ኢየን ።እንተኾነ እታ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ስርዓታ ስለ ዘይተቀበለት መናፍቕ ኢያ ኣይትብላን ኢያ።ስለምንታይ ንሕና እምነትና ኣብ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ደኣ እንበር ኣብ ስርዓት ሰብ ስለ ዘይኮነ።በዚ ድማ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን፡ ናታ ስርዓት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝሳማማዕ ናታ ስርዓት ክትሕንጽጽ ትኽእል ኢያ።ተኾነ መንፊቃ ማለት ኣይኮነን::
ናብዚ ናይ ሃገርና ኣዛራርባ ተሪኢና ግን ነታ መናፍቅ ትብል ቃል ግእዝ ኮይና ብትግርኛ ግን ፡ተጣራጣሪ፡ተዋላዋሊ፡ብምብዛሕ ዝጋገ፡ ዝብል ኮይኑ።ኣብ ኣጠቃቅመኣ ግን ዋላ ዋና ኣይረኸበትን ዘላ።እቶም ብ ክርስቶስ ዘይኣመንቲ፡ ከም ክርስቶስ ንክርስቶስ ዘይተቀበልዎን  ዘይፈለጥዎን ፡ነቶም ብክርስቶስ ዝኣምኑንን ወንጌል ዝሰብኩን ነቶም ብክርስቶስ ዝኣምኑን ዝስዕቡን ከም መዘለፍን ከም መለለይን ክጥቀሙላ ኢና ንዕዘብ ዘለና።
 
ንሱ ደኣ መጽሓፍ ቅዱስ እንድዩ ከንብብ ዝውዕል መንፋቅ እንዲዩ።ገሪሙኒ !!ንሱ ደኣ ጊዳትር ገይሩ እንዲዩ ዝዝምር መናፍቅ እንዲዩ ይብሉ ዋእ ሓደ ሓደ ግዜ ምስ መን ትነብር ኣለኻ ክሳዕ ዘጽልኣካ ሃተውተው ክትሰምዕ፡ክሳዕ ትጸልኦ ትኸውን፡ርእሱ ዝኸኣለ ገድሊ ተሕልፍ።እዚ ፍጹም ን ሰብ መናፍቅ ኣየብሎን ኢዩ።ንዝኾነ ዘለካ ሓሳብ ክትህብ ቦታ ክፉት ኢዩ።ይቅጽል,,,,,ናብ ካልኣይ ክፋል ይቅጽል

ንጹር መልእኽቲ ወንጌል 2ይ ክፋል

ንጹር መልእኽቲ ወንጌል 2ይ ክፋል

እስኪ ነዚ ሕቶ ብሓደ ኣብነት ጌረ ከብርሆ። ንኣቦይ ብኣካል ዘይፈልጦ ወይ ስእሉ ዘይረኣየ ሰብ ኣቦይ ከመይ ከም ዝመስል ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ።ስለዚ እዚ ኣቦይ ዲዩ ኣይኮነን ኣይፈልጥን ይብል ዲዩ፡ኣዴኡ ንሱ ኢዩ ኣቦኻ እንዳበለቶ ከላ። ልክዕ ከምኡ ከኣ እዞም ንኣምላኽ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ሰባት ንሱ እንታይ ከም ዝመስልን መንገዱ ከመይ ከም ዝኾነን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ቤተ ክርስቲያን ብወዱ ብ ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ካብ ኣምላኽ ስለ ዝመጸ ንሳ ንበይና ፡ማለት ክርስቶስ ጥራይ እቲ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ ከርእየና ይእኽል እዩ፣ ንሱ ከምዚ ኢሉ። “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፣ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን፣”ኢሉ ኣሎ ንሱ (ዮሃ.14።6)።
ነዚ ኢየሱስ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ መንገዲ ንሱ ጥራይ ከም ዝኾነ ባዕሉ ዝተዛረቦ ዘረባ ክንሓስብ ከሎና ወይ እቲ ዝበሎ ሓቁ እዩ ወይ ከኣ ንሱ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ክንብል ኢና፣ ኢየሱስ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ንምባል ዝደፍር መን ኣሎ? 
 ኢየሱስ ጥዑይ ሰብ ወይ ነብይ ኔሩ ጥራይ ምባል እኹል ኣይኮነን፣ ንሱ ኣምላኽ ባዕሉ እምበር ጥዑይ ሰብን ነብይን ጥራይ ኣይነበረን፣ ሓሳዊ ወይ መታለሊ ግን ፍጹም ኣይኮነን
እንተኔሩ ድማ ጥዑይ ሰብ ክኸውንውን ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ የሱስ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ኢልና ክንድምድም ኢና፣ኩሉ ሓቂ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎ የምስለካ እዩ፣ ኣብ ስነ ቁጽሪ 2 ተደመሮ  2 ኩሉ ጊዜ  4 እዩ፣ ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ (ኣተሓሳስባኦም ጸቢብ እዩ ንኸይንበሃል ኢልና)  3  ወይ  5 እውን መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ ኣይንብልን ኢና፣ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ዘለዎ መልስታት እንተ ተቐቢልና እቲ ናይ ስነ ሕሳብ ስራሕና ጌጋ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ መሬት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም ትዘውር ንፈልጥ ኢና፣  “ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ”  ጸሓይውን ኣብ ዙርያ መሬት ትዘውር እያ ዝብል ስነ ሓሳብ እንተ ተቐቢልና ግን ኩሉ እቲ ናይ ስነ ጠፈር መጽናዕትና ከንቱ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ስነ ቀመም H2O ማይ እዩ፣ 3ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ H2O  ማይ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ጨው እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።
ስለዚ ሓቂ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ፍጹምን ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎን እዩ፣ ኣብ ናይ ኣምላኽ ነገርውን ከምኡ እዩ፣ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ከምቲ ኣብ ስነ ቁጽሪ። ስነ ጠፈርን ስነ ቀመምን ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኣብ ምፍላጥውን ሓደገኛ ጌጋ የምጽእ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኩሎም ሰባት ሓጥኣን ከም ዝኾኑን የሱስ ከኣ ምእንቲ ሓጥኣን ከም ዝሞተን ይምህር፣ ስለዚ ከም ‘ክርስትያን’(ጻድቕ) ናብ የሱስ እንተመጺኻ ንሱ ንሓጥኣን እምበር ንክርስትያናት ኢሉ ስለ ዘይሞተ ሓጢኣትካ ኣይሓድገልካን እዩ፣ እቲ ሓጢኣቱ ዝሕደገሉ እቲ ናብ ጎይታ መጺኡ “ጎይታ። ኣነ ሓጥእ እየ” ዝብል ሰብ ጥራይ እዩ፣ የሱስ ምእንቲ ሓጥኣን ስለ ዝመተ።
ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ H2O  ማይ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ጨው እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና፣ ስለዚ ሓቂ ኣብ ዝኾነ ዓይነት ሓሳብ ፍጹምን ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎን እዩ፣ ኣብ ናይ ኣምላኽ ነገርውን ከምኡ እዩ፣ ሰፊሕ ኣተሓሳስባ ከምቲ ኣብ ስነ ቁጽሪ። ስነ ጠፈርን ስነ ቀመምን ናይ ኣምላኽ ሓቂ ኣብ ምፍላጥውን ሓደገኛ ጌጋ የምጽእ እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ኩሎም ሰባት ሓጥኣን ከም ዝኾኑን የሱስ ከኣ ምእንቲ ሓጥኣን ከም ዝሞተን ይምህር፣ ስለዚ ከም ‘ክርስትያን’(ጻድቕ) ናብ የሱስ እንተመጺኻ ንሱ ንሓጥኣን እምበር ንጻድቃን ኢሉ ስለ ዘይሞተ ሓጢኣትካ ኣይሓድገልካን እዩ፣ እቲ ሓጢኣቱ ዝሕደገሉ እቲ ናብ ጎይታ መጺኡ “ጎይታ። ኣነ ሓጥእ እየ” ዝብል ሰብ ጥራይ እዩ፣ የሱስ ምእንቲ ሓጥኣን ስለ ዝሞተ ከም ኣባል ናይ ዝኾነ ሃይማኖት ኮይንካ ክትመጽእ ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ከም ሓጥእ እንተ መጺእካዮ ግን ሽዑ ሓጢኣትካ ክሕደገልካ ይኽእል እዩ፣ኣምላኽ ሕልና ስለ ዝሃበና ኩልና ሓጥኣን ምዃንና ክንፈልጥ ቀሊል እዩ፣ ህጻናት ኣዝዩ ተነቃፊ ሕልና ኣለዎም።
ስለዚ ከኣ ንጌጋ ቀልጢፎም ይርድእዎ  (ይፈልጥዎ)፣ እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ግን ሕልንኦም እናተረረ ክኸይድ ይኽእል እዩ፣ ወዲ  3 ዓመት ቆልዓ ሓሶት ክዛረብ ከሎ ሕልንኡ ስለ ዝኸሶ ናይ ክሲ ምልክት ኣብ ገጹ ይርአ እዩ፣ ድሕሪ 15 ዓመታት ግን ንድምጺ ሕልንኡ ደጋጊሙ ዕሽሽ ብምባል ንሕልኡ ይቐትሎ’ሞ ኣብ ገጹ ዝኾነ ምልክት ከየርኣየ ክሕሱ ይኽእል እዩ፣ ናይ ሓደ ህጻን ከብዲ እግሪ ብክንቲት ተንኪፍካዮውን ይስምዖ እዩ። ናይ ዓበይቲ ሰባት ከብዲ እግሪ ግን ካብ ምትራሩ ዝተላዕለ መርፍእውን ኣጸቢቑ እንተ ዘይተጸቒጡ ኣይስምዖምን እዩ፣ ሕልና ሰባትውን እናዓበዩ ክኸዱ ከለዉ ልክዕ ከምኡ እዩ፣ሕልና ሞራላውያን ፍጥረታት ምዃንና ምእንቲ ክነግረና ኣምላኽ ኣብ ውሽጥና ዘቐመጦ ድምጺ እዩ።
ናይ ጽቡቕን ክፉእን መባእታዊ ፍልጠት ዘረድኣና ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ፣ ጎይታ የሱስ “ናይ ስጋ መብራህቲ” ኢልዎ ኣሎ  (ሉቃ.11።34)፣ ነዚ  “ዓይኒ” እዚ እንተ ዘይተጠንቂቕናሉ ሓደ መዓልቲ መንፈሳውያን ዕዉራት ክንከውን ኢና፣ ነቲ ኣብ ሕልናና ዝጎጥየና ነገራት ዕሽሽ ምባል ከምቲ ኣብ ዓይንኻ ንዝኣቱ ነኣሽቱ ደሮና ሸለል ምባል ሓደገኛ እዩ፣ ሓደ መዓልቲ መንፈሳዊ ኣዒንትና ምሉእ ብምሉእ ክዓውር እዩ፣ህጻናት ክውለዱ ከለዉ ሃይማኖት የብሎምን፣ ኩሎም ከኣ ሓደ እዮም፣ ድሕሪ ክልተ ዓመትውን ለዉጢ የብሎምን ኩሎም ስሱዓትን ተበኣስትን እዮም፣ ድሕሪ ጊዜ ግን ወለዶም ዝተፈላለየ ሃይማኖት ይምህርዎም እሞ ተኸተልቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ይኾኑ፣ ካብ 90%  ንላዕሊ ናይ ሰባት ሃይማኖት ወለዶም ዝመረጹሎም እዩ።
ኣምላኽ ግን ከም ተኸተልቲ ዝተፈላለየ ሃይማኖታት ኣይርእየናን እዩ፣ ንኩልና ከም ሓጥኣን እዩ ዝርእየና፣ የሱስ ምእንቲ ሓጢኣት ኩሉ ሰብ ንኽመውት እዩ ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ መጺኡ፣ ንሱ ምእንቲ እቶም ሓጥኣን ምዃኖም ዝእመኑን ናብ ህላውነት ኣምላኽ ክኣትዉ ብቕዓት ከም ዘይብሎም ዝፈልጡን እምበር ምእንቲ እቶም ናብ ህላውነት ኣምላኽ ክኣትዉ ብቑዓት ከም ዝኾኑ ዝሓስቡ ኣይኮነን መጺኡ፣ ሕልናኻ ሓጥእ ምዃንካ ይነግረካ እዩ፣ ስለዚ ስለምንታይ ደኣ ናብ የሱስ መጺእካ “ጎይታ። ኣነ ሓጥእ እየ። ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ክፉእ ነገራት ጌረ እየ፣” ምባል ዝኸብደካ?ገሊኣቶም  “እቲ ሰናይ ዝኾነ ኣምላኽ ንሓጢኣትና ሸለል ብምባል ከም ኣቦ ይቕረ ዘይብለልና?” ኢሎም ይሓቱ እዮም፣ ሓደ ውሉድ ገለ ክቡር ኣቕሓ እንተሰይሩን ተጣዒሱ ከኣ ንኣቦኡ ይቕረታ እንተ ሓቲቱን ኣቦኡ ይቕረ ይብለሉ እዩ ይብሉ፣ እዚ ነገራት እዚ ግን ሞራላዊ ነገራት ኣይኮነን፣ 4ኩሉ ሓጢኣትና ከምዚ ኔሩ እንተ ዝኸውን እግዚኣብሄር ይቕረ ምበለልና ኔሩ፣ ሓጢኣት ግን ከምዚ ኣይኮነን። ሓጢኣት ገበን እዩ፣ሓደ ዳኛ ኣብ መጋባእያ ተቐሚጡ ከሎ ወዱ ብገበን ተኸሲሱ ናብ ቅድሚኡ እንተ ዝቐርብ። “ወደይ። እፈትወካ እየ። ይቕረ ኢለልካ ኣለኹ። ኣይትቕጻዕን ኢኻ” ኢሉዶ ነጻ ምሰደዶ? ንእሽቶ ሕጊ ዝፈልጥ ምድራዊ ፈራዲውን ከምዚ ኣይምገበረን፣ እቲ ፍትሒ ናይ ምትግባር ንእሽቶ ባህርይ እምበኣር ካብቲብምስሉ ዝተፈጠርና ፍጹም ፍትሒ ዝገብር ኣምላኽ ዘመጻእናዮ እዩ፣ ኣዝዩ ከቢድ ገበን ምስ ፈጸምና እምበኣር እግዚኣብሄር ከም ፈራዲ “ኣዝዬ እየ ዘፍቅረካ። እንተኾነ ግን ገበን ፈጺምካ ኣሎኻ።
ስለዚ ከኣ ክትቅጻዕ ኢኻ”  ክብለና ኣለዎ፣ ኣብቲ መጋባእያ እቲ ውሉድ ክሳብ ክንደይ ብገበኑ ይጠዓስ ብዘየገድስ እቲ ኣቦኡ ከም ፈራዲ መጠን ክቐጽዖ ኣለዎ፣ እስኪ እቲ ወዲ ባንኪ ሰሪቑ ኔሩ ንበል፣ እቲ ኣቦ እቲ ግቡእ መቕጻዕቲ  - ንኣብነት  1  ሚልዮን ናቕፋ ቀጺዕዎ ንበል፣ እቲ ወዲ ክንድኡ ዝኣክል ገንዘብ ስለ ዘይብሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ክኸይድ ኣለዎ፣ ሽዑ እቲ ኣቦ ካብቲ ናይ ፈራዲ መንበሩ ብምትንሳእ ነቲ ናይ ፈራዲ ክዳኑ የውጽእ፣ ካብ ጅቡኡ ቸክ ብምውጻእ ከኣ ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላራት (ንዓመታት ዝኣከቦ ገንዘብ) ንመቕጻዕቲ ወዱ ይኸፍል፣ እቲ ወዱ ኣየፍቀርካንን ኢሉ ክኸሶ ይኽእልዶ? ኣይፋሉን፣ ንወዱ እቲ ሕጊ ዝሓቶ ግቡእ መቕጻዕቲ ስለ ዝበየነሉ ቅኑዕ ፈራዲ ብዘይ ምዃኑውን ዝኸሶ ሰብ የብሉን፣ ኣምላኽውን ንዓና ልክዕ ከምዚ እዩ ጌሩልና፣ ከም ፈራዲ ኩልና ብሓጢኣትና ክንመውት ከም ዘሎና ፈሪዱ፣ ብድሕሪኡ ከኣ መልክዕ ሰብ ብምውሳድ ነቲ ንዓና ዝግባእ መቕጻዕቲ ተቐጺዕዎ፣

 

1ይ ክፋል ንጹር መልእኽቲ ወንጌል::

1ይ ክፋል ንጹር መልእኽቲ ወንጌል::

ንጹር መልእኽቲ ወንጌል ኣብዚ ጽሑፍ ‘ዳግም ምውላድ’ ወይ ‘ምድሓን’ እንታይ ማለት ምዃኑ ክገልጽ እየ፣
ናይዚ ናይ ምድሓን ተመኩሮ ቀዳማይ ስጉምቲ ንስሓ እዩ፣ ቅድሚ ምንሳሕካ ግን ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ ክትፈልጥ የድሊ፣ ሎሚ ኣብ ማእከል ክርስትያናት ካብ ግጉይ ርድኢት ናይ ሓጢኣት ዝተበገሰ ብዙሕ ግጉይ ርድኢት ናይ ንስሓ ኣሎ።

ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ጥራሕ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዩ ዘሎ፡ቅዲ ወንጌል ምስቲ ቅድመ ህጂ ዝነበረ ዝተፋላለየ ኢዩ።ሃወርያዊ መገዲ እንዳ ተጋጨወ ኢዩ።ሰባት ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝምሃሩ ብዛዕባ ካልእ ክምሃሩን ካብ ማእከል ሕመረት ክርስቲና ክዝለልን ንርእይ ኣሎና።

ዕላማ ወንጌል ንደቂ ሰባት ብክርስቶስ ኣሚኖም ክድሕኑ ኢዩ።ዕላማ ወንጌል ክርስቶስ ንሱ ጎይታ ንሱ ኣምላኽ ንሱ መድሓኒ ምዃኑ ንሰባት ምብሳር ኢዩ።ሰባት ብዛዕባ ክርስቶስ ንምህሮም ወይ ድማ ንነግሮም 

ናይ ክርስትና መምዘኒታት ኣዝዩ ለጠቕ ኢሉ እዩ፣ እቲ ሎሚ ብብዙሓት ሰበኽቲ ዝስበኽ ዘሎ  “ወንጌል”  ንእሽቶ ሓቂ ጥራይ ዘለዎ ዝተቓጠነ ወንጌል እዩ፣ ሰባት ብኢየሱስ ክኣምኑ ከም ዘለዎም ጥራይ እዮም ዝንገሩ ዘለዉ፣ እንተኾነ ግን ከይተነሳሕካ ብኢየሱስ 
ምእማን ፡ ኣሚንካ ድማ ስጉኡን ደሙን ከይወሰድካ ሓሙሽተ ኣዕማደ ምስጢርን ሸውዓተ ምስጢራት ቤተ/ክርስትያንን ከይመሃርናን ከይኣመናን፡ብዘይ ስርዓትን ከም ቃሕ ዝበለካ ሓጥያት እንዳ ሰራሕካን፡ንማንም ኣየድሕኖን እዩ።

ሰብ ዳግም ክውለድ ከም ዘለዎ ዘየማትእ ሕቶ ኢዩ።ዳግም ምውላድ መሰረት ህይወት ክርስትና እዩ፣ ነዚ መሰረት እዚ ከየንጸፍካ ጽቡቕ ህይወት ምንባር ልክዕ ከምቲ ንሰብ ጥዑይ ህይወት ክነብር ዝምህር ካልእ ሃይማኖታት እዩ፣ ጽቡቕ ወይ ጥዑይ ህይወት ክንነብር ከም ዘሎና ርግጽ እዩ። እንተኾነ ግን እዚ እቲ ብላዕሊ ዝህነጽ ህንጻ እምበር መሰረት ናይቲ ህንጻ ኣይኮነን፣ እቲ መሰረት ዳግም ምውላድ እዩ። ኩልና ከኣ ካብኡ ክንጅምር ኣሎና፣ኢየሱስ ነዚ ዳግም ምውላድ ዝብል ቃል ምስ ኒቆዲሞስ  ይዘራረበሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ጠቒስዎ ኣሎ (ዮሃ.3።3)፣ ኒቆዲሞስ መራሒ ሃይማኖት ኣይሁድን ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮ ብጽድቂ ዝመላለስን ሰብእኳ እንተነበረ የሱስ ግን  “ካብ ላዕሊ እንተ ዘይተወልደ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ኪርእያ ዚኽእል ከም ዜልቦ።

 ብሓቂ ብሓቂ እብለካ ኣሎኹ።” ኢልዎ፣ እምበኣርከስ ግብርኻ ጽቡቕ እንተኾነውን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታዉ መንፈሳዊ ልደት ከም ዘድልየካ ንርኢ፣ ቀጺሉ ድማ የሱስ ንሱ ኣብ መስቀል ከም ዝመውትን እቶም ብእኡ ዝኣምኑ ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝረኽቡን ነጊርዎ (ዮሃ.3።14,16)፣የሱስ ሰባት ግብሮም ክፉእ ስለ ዝኾነ ካብ ብርሃን ጸልማት ከም ዝሓረዩውን ነጊርዎ  (ዮሃ.3።19)፣ እቶም ቅኑዓት ግና ናብቲ ብርሃን ብምምጻእ ምድሓን ይረኽቡ (ዮሃ.3።21)፣ ዳግም ንኽትውለድ ናብቲ ብርሃን ክትመጽእ ይግብኣካ፣ እዚ ከኣ ሓጢኣትካ ብቅንዕና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእማንን ምንሳሕን ማለት እዩ፣ ንኩሉ ዝገበርካዮ ሓጢኣት ከም ዘይትዝክሮ ርግጽ እዩ። እንተኾነ ግን ሓጢኣተኛ ምዃንካ ክትእመንን ነቲ ክትዝክሮ ዝኸኣልካ ሓጢኣት ንኣምላኽ ክትነግሮን ይግብኣካ፣ ሓጢኣት ኣዝዩ ዓቢ ነገር እዩ።
ስለዚ ከኣ  መጀመርያ ንእሽቶ ክፋሉ ጥራይ ኢኻ ኣብ ህይወትካ ክትርእዮ ትኽእል፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ሃገር እናተቐመጥካ ግናኸ ንእሽቶ ክፋላ ጥራይ ምፍላጥ እዩ፣ ካብቲ እትፈልጦ ሓጢኣት ክትምለስ ምስ ጀመርካ ግን ቀስ ብቐስ ነቲ ዘይትፈልጦ ዝነበርካ ክፍልታት ናይዛ ‘ናይ ሓጢኣት ሃገር’ ትፈልጦ፣ ኣብ ብርሃን ትመላለስ እንተሊኻ ሓጢኣትካ መመሊሱ እናበርሃልካ ስለ ዝኸይድ ካብኡ እናነጻህካ ክትከይድውን ትኽእል ኢኻ፣ ስለዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኩሉ ሳዕ ብቅንዕና ክትመላለስ ይግባእ፣ካልእ ኣብነት ንምጥቃም። ኣብ ሓደ ብዙሕ ረሳሕ ክፍልታት ዘለዎ ገዛ ትቕመጥ ኣሎኻ ንበል፣ ንየሱስ ከኣ ኣብ ገዛኻ ክነብር ደሊኻዮ። ንሱ ግን ኣብ ረሳሕ ክፍልታት ክነብር ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ ከኣ ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ በብሓደ ኣብ ምጽራይ ይሕግዘካ፣ ቀስ ብቐስ እታ ገዛ ብምልእታ ትጸሪ፣ ብከምዚ እምበኣር ኣብ ህይወት ክርስትናና ብቅድስና ንዓቢ።

 

 2ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ዘዝኸዶ ሰባት ብንስሓ ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኪኣምኑ ይሰብኽ ከም ዝነበረ ተዛሪቡ ኣሎ  (ግብ.20።20)፣ ዳግም ንምውላድን ጽቡቕ መሰረት ንምንጻፍን ዘድልያ ክልተ ረቛሒታት እዚኣተን እየን፣ ኣምላኽ ንስሓን እምነትን ብሓደ ከም ዝኸዳ ጌሩ ኣቋሪንወን እዩ፣ ብዙሓት ክርስትያናት ሰበኽቲ ግን ፈላልዮመን ኣለዉ፣ ንስሓ ካብ ብዙሕ ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ስብከታት ወጺኣ እያ። ብዙሓት ሰበኽቲ እምነት ጥራይ ይሰብኩ ኣለዉ፣ከምቲ ዝጸዓረት እንተጸዓረት ሰበይቲ በይና ቆልዓ ከተምጽእ ዘይትኽእል ከምኡ ከኣ ብእምነት ጥራይ ዳግም ክትውለድ ኣይከኣልን እዩ፣ ሰብኣይውን ንበይኑ ቆልዓ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ፣ ቆልዓ ንኽውለድ ሰብኣይን ሰበይትን ክራኸቡ ኣለዎም፣ ከምኡ ድማ ንስሓን እምነትን ብሓደ ምስ መጻ ሽዑ ፡ኣብ መንፈስና መንፈሳዊ ልደት ይፍጸም መንፈሳዊ ቆልዓ (ሰብ) ከኣ ይውለድ፣ እዚ መንፈሳዊ ልደት ልክዕ ከምቲ ስጋዊ ልደት እዩ፣ ብቅጽበት ዝፍጸም እምበር ዘገምታዊ ኣይኮነን፣ ልክዕ ከምቲ ንስጋዊ ልደት ናይ ኣዋርሕ ምድላው ዘድልዮ።
ንመንፈሳዊ ልደትውን ናይ ኣዋርሕ ምድላው የድልዮ ይኸውን፣ እቲ ሓድሽ ልደት ግን ከምቲ ስጋዊ ልደት ብቕጽበት ዝፍጸም እዩ፣ ገለ ክርስትያናት መዓስ ዳግም ከምዝተወልዱ ኣይፈልጡን እዮም፣ ኣነውን መዓስ ዳግም ከም ዝተወለድኩ ኣይፈልጥን እየ፣ እዚ ግን ልክዕ ከምቲ ብስጋ ዝተወለድካሉ ዕለት ዘይምፍላጥ እዩ፣ ብህይወት ክሳብ ዝሃለኻ ከኣ ኣገዳሲ ነገር ኣይኮነን፣ እቲ ቀንዲ ዘገድስ ነገር ሎሚ ብክርስቶስ ህይወት ረኺብካ ከም ዘሎኻ ርግጸኛ ምዃን እዩ፣ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ የሱስ ጥራይ እዩ ክንብል ከሎናስ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘሎና ኣየምስለናንዶ?
እስኪ ነዚ ሕቶ ብሓደ ኣብነት ጌረ ከብርሆ። ንኣቦይ ብኣካል ዘይፈልጦ ወይ ስእሉ ዘይረኣየ ሰብ ኣቦይ ከመይ ከም ዝመስል ክፈልጥ ኣይክእልን እዩ፣ ልክዕ ከምኡ ከኣ እዞም ንኣምላኽ ርኢናዮ ዘይንፈልጥ ሰባት ንሱ እንታይ ከም ዝመስልን መንገዱ ከመይ ከም ዝኾነን ክንፈልጦ ኣይንኽእልን ኢና፣ የሱስ ክርስቶስ ግን ካብ ኣምላኽ ስለ ዝመጸ ንሱ በይኑ ጥራይ እቲ ናብ ኣምላኽ ዘብጽሕ መንገዲ ከርእየና ይእኽል እዩ፣ ንሱ ከምዚ ኢሉ። “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፣ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን፣” (ዮሃ.14።6)፣ነዚ የሱስ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ መንገዲ ንሱ ጥራይ ከም ዝኾነ ባዕሉ ዝተዛረቦ ዘረባ ክንሓስብ ከሎና ወይ እቲ ዝበሎ ሓቁ እዩ ወይ ከኣ ንሱ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ክንብል ኢና፣ የሱስ ሓሳውን መታለልን እዩ ኔሩ ንምባል ዝደፍር መን ኣሎ?  የሱስ ጥዑይ ሰብ ወይ ነብይ ኔሩ ጥራይ ምባል እኹል ኣይኮነን፣ ንሱ ኣምላኽ ባዕሉ እምበር ጥዑይ ሰብ ጥራይ ኣይነበረን፣ ሓሳዊ ወይ መታለሊ
እንተኔሩ ድማ ጥዑይ ሰብ ክኸውንውን ኣይክእልን እዩ፣ ስለዚ የሱስ ብስጋ ዝተገልጸ ኣምላኽ ኢልና ክንድምድም ኢና፣ኩሉ ሓቂ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ዘለዎ የምስለካ እዩ፣ ኣብ ስነ ቁጽሪ 2 ተደመሮ  2 ኩሉ ጊዜ  4 እዩ፣ ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ (ኣተሓሳስባኦም ጸቢብ እዩንኸይንበሃል ኢልና)  3  ወይ  5 እውን መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ ኣይንብልን ኢና፣ከምዚ ዓይነት ፍልልይ ዘለዎ መልስታት እንተ ተቐቢልና እቲ ናይ ስነ ሕሳብ ስራሕና ጌጋ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ መንገዲ መሬት ኣብ ዙርያ ጸሓይ ከም ትዘውር ንፈልጥ ኢና፣  “ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ”  ጸሓይውን ኣብ ዙርያ መሬት ትዘውር እያ ዝብል ስነ ሓሳብ እንተ ተቐቢልና ግን ኩሉ እቲ ናይ ስነ ጠፈር መጽናዕትና ከንቱ ክኸውን እዩ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ስነ ቀመም H2O ማይ እዩ፣ 3ኣተሓሳስባና ብምስፋሕ H2O  ማይ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ ጨው እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና::
ይቅጽል
19. Mar, 2017

ዜና

ዓቢ ጾም ካልኣይ ሰንበት ቕድስቲ ትበሃል

ዓቢ ጾም ካልኣይ ሰንበት ቕድስቲ ትበሃል
 
ዓቢ ጾም ቅድስቲ ትበሃል።መበገሲ ስሙ ያረዳዊ ክኸውን ከሎ፡ኣርእስተ መዝሙር ርእሰ ጾም ናይ ድጓ መኽፈሊ ኮይኑ ዝቀርብ ስም እዩ።ኦርተደክሳዊት ቤተ ክርስትይን ን ኣምላኽ እትውድሰሉን ምስጋና እተቅርበሉን ስርዓት ኣለዋ ከምዚ ንሪኦ ዘለና።በዚ ድማ ስለ ክብረ ሰንበት ስለ እግዚኣብሄር ምሕረት ይዝመር ኣብ ቅዳሴ ግዜ ድማ መጻሕፍቲ ስለ ቅድስና ይስበኹ።
ናይ ዕለቱ ምስባኽ ተሪኢና ከምዚ ይብል፡-
 
እግዚኣብሔር ግና ሰማያት ገበረ፤
 
 ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፤
 
 ሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ። መዝ 96፡5-6።
መዝሙር ዳዊት፡- እግዚኣብሔርሰ ሰማያተ ገብረ፤
 
ኣሚን ወሰናይት ቅድሜሁ፤
 
 ቅድሳት ወዕበየ ስብሓት ውስተ መቅደሱ።
Psalms:-“but the LORD made the heavens. Honor and majesty [are] before him: strength and beauty [are] in his sanctuary.” Psalms 96:5-6. 
ቅዳሴ፡- ቅ. ኤጲፋንዮስ
ወንጌል ማቴ 7፡16-25።
 
ናይ ዕለቱ ናይ ቅዱስ ያረድ መዝሙር ፡- ግነዩ ለእግዚኣብሔር ወጸዉኡ ስሙ(ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ ስሙ ጸውዑ)
 
ናይ ቅድሴ ሰዓት ዝንበብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ
 
1, 1ይ ተሰሎ 4፡1-13።        ዲያቆን (ሰራዒ ድያቆን
 
2, 1ይ ጴጥ1፡13 ክሳዕ መፈጸምታ  ዲያቆን( ተሓጋጋዚ ዲያቆን)
 
3,ግብሪ ሓዋርያት 10፡7-30።    ንፍቅ ካህን( ተሓጋጋዚ ካህን)
 
5 ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 6፡16-25።
 
ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ (ዓብይ)
 
             ቅድስና
 
ቅዱስ ተባሂሉ ዝምስገን ናይ ቅድስና ምንጪ፡ብ ቅድስና ዝተቀደሰ፡ብቅድስና ዝነብር፡ ቅድስና ባህሪኡ ዝኾነ፡ብቅዱሳን ዝቅደስ ዝምስገን ን በይኑ ፍሉይ ኣኽብሮትን ስግደትን ምስጋናን ዝግበኦ  ቅዱስ ናይ ቅዱሳን እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ።ብ እስራኤል መዝሙር መጽሓፍ ተሪኢና ኣብየት ካብ ኣማልኽቲ ዝመስለካ መን እዩ።ተባሂሉ ከም ተጻሕፈ>ናይ ኣማልኽቲ ኣምላኽ ናይ ንጉሳት ንጉስ ኣምላኽ ፡ናይ ልዑላን ልዑል ዝኾነ ኣምላኽ፡ እግዚኦ ኣጋእዝቲ ተባሂሉ ከም እተጽሕፈ ጎይታ ብ ቅድስና ዝተኸበበ ዝወቀበ ኣምላኽ።ምስጋናኡ  ካብ ባዕሉ ዝኾነ ሰማያዊ ንጉስ ቅዱስ እዩ ስሙ። ነዚ ቅዱስ ኣምላኽ ቅድስናኡ ዝፈተለጠ ኣምላኽ  ኢሳይያስ 6፡1-10። ቅዱስ ክብል ስሙ ገለጸ ኢሳይያስ 40፡25።
 
 ቅዱስ የሓንስ  ንስኻ ጥራሕ ቅዱስ  ኢሎም መላእኽቲ ከም ዘመስግንዎ መስኪሩ ጺሒፉ ንረኽቦ።ራእ 15፡4 ። ሃና እውን ኣብ ጾሎታ  ብጀካኻ ኻልእ የልቦን እሞ፡ከም እግዚኣብሄር ዝበለ ቅዱስ የልቦን፡ ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን ብምባል ቅድስና ኣምላኽና ፍሉይ ምኻኑ ገለጸት።ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ተዛረብ በሎም ድማ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ቅዱስ እየ እሞ፡ ንስኻትኩም ከኣ ቅዱሳት ኩኑ። ክብል ገለጸ። ዘጸ 28፡41
 
እዚ ብኣፍ መላእኽቲ ቅዱስ ምኻኑ  ዝተመስከረሉ ዝተነገረሉ በልሳን ሰብ እውን ኩሉ ግዜ ስምካ ይቀደስ ብምባል ይምስገንን ይውደስን።ነብይ ኢሳይያስ እውን ስለዚ እቲ ንዘለኣለም ዝነብር ልዑልን ዕዙዝን ቅዱስ ዝስሙን ከምዚ ይብል ኣሎ፡ ኣብቲ ልዑልን ቅዱስን ስፍራ እነብር ኣሎኹ፡ ግናኸ ንመንፈስ ትሑታት ህያው ክገብሮ፡ ንልቢ ድቑሳት ከኣ ህያው ክገብሮስ፡ ምስቲ ድቑስን ትሑትን መንፈስ ዘለዎ ሰብ ድማ እነብር ኣሎኹ። ቅዱስ ስመይ ኣርከሱ ኣነ ግን ስለ ቅዱስ ስመይ ኢለ እርሕርሕ ኣለኹ ።በለ ህዝቅኤል 36፡20-21።ስሙ ቅዱስ እዩ ክብል እውን ሉቃስ ገለጸ ሉቃ1፡50። እግዚኣብሔር ኣምላኽ እንበኣር ስሙ ቅዱስ እዩ በዚ ቅዱስ ስሙ ድማ እንዳተመስገነ ይነብር ኣሎ ራእ 4፡8።
 
እዚ ቅዱስ ዝኾነ ኣምላኽ ዘጸ3፡5። 
 
ኣብ ክርስቶስ እትነብሩ ፍቁራት ክርስትያናት  ኣሕዋትና  ከምቲ እቲ ዝጸውዓና ቅዱስ ዝኾነ እንበኣር ቅዱሳን ክንከውን ይግብኣና።ከምቲ እቲ ሰራዒ ድያቆን ዘንበበልና እውን ኣነ ቅዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑ፡ ዝብል ጽሑፍ ስለ ዘሎ፡ ከምቲ እቲ ዝጸውዓኩም ቅዱስ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም “ውን ብዂሉ ንብረትኩም ቅዱሳት ኩኑ። ቅዱሳን ክንከውን ይግባእ።ብዘይ ቅድስና ዋላ ሓደ እኳ ይኹን ንእግዚኣብሔር ክርእዮ ዝኽእል የለን።ኣብዚ ናይ ጾም ግዜና ብተኻእለ ምስ ስጋና እንዳተቃለስናን ካብ ዝወደቅናዮ እንዳ ተሳእናን ብጾሎት ናብ ኣምላኽ ዎ ኣምላኽ ከም ቃልካ ክነብር ሓግዘኒ እንዳ በልና ክንጓዓዝ ይግባእ። ስለዚ ብቅድስና ክንመላለስ ይንጽዓር።
 
 እግዚኣብሔር ብቅዱስ ሂወት ክንነርብ ሓይሉ ይሃበና።

ዓቢይ ጾም

ዓቢይ ጾም 

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሸውዓተ ኣጽዋማት ኣለዉዋ። ንሳቶም ድማ ጾመ ነቢያት፡ ጾመ ነነዌ፡ ዓቢይ ጾም፡ ዓርበ ረቡዕ፡ ጾመ ገሃድ፡ ጾመ ሓዋርያትን ጾመ ፍልሰታን ይበሃሉ።እግዚኣብሔር ንኣቦና ኣዳም ብኽብሪ ፈጢሩ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ መጀመርታ ዝሃቦ ትእዛዝ ጾም እዩ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ኣዘዞ። ‘’ካብ ፍረ እቲ ኣብ ገነት ዘሎ ኦም ኵሉ ብላዕ ።ካብ ፍረ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና ካብዝበላዕካላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ እሞ ካብኣ ኣይትብላዕ’’ በሎ። እምበኣር ኣጽዋማት ዝተሰርዐ ምእንቲ ትእዛዝ እግዚኣብሔር ከነኽብርን ሓይሊ ስጋና ብትዕግሥቲ ከነድክምን እዩ። ዘፍ2፡17።  
ዓቢይ ጾም ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ኣብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ 40 መዓልትን 40 ለይትን ዝጾሞ እዩ። ዓቢይ ዝተባህለሉ ምኽንያት ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ሕያውኣምላኽ ክንሱ ዝጾሞን ነቲ ቀንዲ ጸላኢና ሰይጣን ብሰለስተ ዓበይቲ ፈተናታት ስለ ዝሰዓሮን እዩ። ንዓና ድማ ብዅሉ ግብሩ ብቑዕ ኣርኣያን ትምህርትን ብምዃን ኣሰሩ ክንክተልን ትእዛዙክንሕሉን ሕድሪ ሃበና። 
ኣብ እዋን ዓቢ ጾም ዓቢይ ጸላኢ ዲያብሎስ ከም ዘሎን ዓበይቲ ፈተናታት ከምጽእ  ዝኽእል ምዃኑ ኩልና ክንፈልጦን ኣገዳሲ ነገር እዩ። 1ጴጥ 5፡8።
ብዙሓት ቅዱሳን ኣቦታት ብመገዲ ጾምን ጸሎትን ንሕቶኦም መልሲ ንሕማሞም ከኣ ፈውሲ ረኪቦም እዮም። ንሕናውን ሠናይ ግብርን ንጹህ ልብን ሒዝና ብእምነት እንተጾምና ዝደለናዮ ኩሉክንቅበል ንኽእል ኢና። ምኽንያቱ  ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስ ምስጋና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ’’ ስለ ዝበለና። ፊሊ 4፡4። እምበኣር ዝኾነክርስቲያን ዓቢይ ጾም ኽጸውም ከሎ ኣዋጅ ቤተ ክርስቲያን ስለዝኾነ ወይ ብልምዲ ኣብ ዓመት መጸ ዝግበር ዘይኮነስ ክርስቶስ ዝጀመሮ ዓቢይ ናይ ዓወትን በረኸትን ትእዛዝ ብምዃኑ ካብመግብን መስተን እናጾምና ነዞም ዝስዕቡ ኣገደስቲ ዝርዝራት ምስ መንፈሳዊ ምንባባት እናኣዛመድና ክንትግብሮም ጥቓሚ እዩ።
ኣገባብ ጾምና ነዚ ንከተል !
1,ኣፍ ይጹም ካብ ምዝራብ መርገምኣሕዋተየ እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን ከከም ዜድልዮም ከኣ ኪሓንጽ ዚኽእል ሠናይ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩምኣይውፃእ። ኤፈ 4፡29 ብእኣ ጌርና ንጎይታናን ኣቦናን ነመስግን፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም በምሳል ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምስጋናን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ እዚከምዚ ክኸውን ኣይግባእን እዩ። ያዕ 3፡9 ቆላ3፡8
2,ዓይኒ ይጹም ካብ ምርኣይ ሕሱምኣነ ግና ንጓል ኣንስተይቲ ርእዩ ዚትምነያ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ እብለኩም ኣሎኹ። የማነይቲ ዓይንኻ እንተ ኣስሓተትካ ካባኻ ጎጥጕጥካደርብያ። ብዘሎ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ ሓንቲ ዓይንኻ እንተ ጠፍኣት ይሕሸካ። ማቴ 5፡28። ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን እዝኒ ኸኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን እያ።
3,እዝኒ ይጹም ካብ ምስማዕ ንዓለምንሳቶም ካብ ዓለም እዮም ከም ኣዘራርባ ዓለም ከኣ ይዛረቡ ኣለዉ። ዓለም’ውን ትሰምዖም ኣላ።ንሕና ካብ ኣምላኽ ኢና ንኣምላኽ ዚፈልጥ ይሰምዓና። እቲካብ ኣምላኽ ዘይኮነ ግና ኣይሰምዓናን እዩ። ንመንፈስ ሓቅን ንመንፈስ ሓሶትን ከኣ በዚ ኢና እንፈልጦም። 1ዮሓ 4፡5 ። ብፁኣንሲ እቶም ንቓል ኣምላኽ ዚሰምዕዎን ዚሕልውዎን እዮም። ሉቃ11፡28
4,ኢድ ይጹም ካብ ምፍሳስ ደምየማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሓተትካ ካባኻ ቆሪጽካ ደርብያ ብዘሎ ኣካልካ ናብ ገሃነም ካብ ዚኣቱስ ሓንቲ ኣካል እንተ ጠፍኣት ይሕሸካ። ማቴ 5፡29።ንኣኻትኩምን ንኣምላኽኩምን ኣብ መንጎኹም ኮይኑ ዚፈላልየኩምሲ ኣበሳኹም እዩ። ….ኣእዳውኩም ብደም ኣጻብዕኩም ብበደል ረኺሰን ኣለዋ። እከይ ንምግባር ትጎዩ ንጹሕ ደም ንምፍሳስትቀዳደሙ ሓሳብኩም እከይ እዩ። እምበኣር ተመለሱ።ኢሳ 59፡3
5,እግሪ ይጹም ካብ መገዲ ጸጋምእንሆ ኣብ ቅድሜኹም ናብ ሕይወት እትወስድ መገድን ናብ ሞት እትወስድ መገድን ኣንብር ኣሎኹ። ኤር 21፡8 ኣብ ቀራና ጎደናታት ደው ኢልኩም ተመልከቱእቲ ጥንታዊ መገድታትን እቲ ጽቡቕ ጎደናን ኣየናይ ምዃኑ ሕተቱ እሞ ብኣኡ ትመላለሱ። ሽዑ ንነፍስኹም ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። ኤር 6፡16
6,ልቢ ይጹም ካብ ሓሳብ ሥጋ ድኹምነቲ እትገብርዎ ዝነበርኩም ኃጢኣት ደርብይዎ። ሓድሽ ልብን ሓድሽ ኣእምሮን ኣጥርዩ። ሕዝ 18፡31 ክዳንኩም ዝይኮነስ ልብኹም ደኣ ቅደዱ ይብልእግዚኣብሔር። ዩኤ 2፡13 ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን። ሮሜ 10፡10 እቲ ካብ ኣፍ ዚወጽእ ካብ ልቢ እዩ ዝመጽእ እሞ ንሱ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። ካብ ልቢ ኽፉእ ሓሳብ፡ቅትለት፡ ዝሙት፡ ምንዝርና፡ ስርቂ፡ ብሓሶት ምምስካር ጸርፊ ይወጽእ እዩ እሞ እዚ እዩ ንሰብ ዘርክሶ። ማቴ15፡18
እምበኣር ሺሕ እኳ ሕጂ ንቑሩብ ግዜ ብብዙሕ ዝዓይነቱ ፈተና ክትሓልፉ ግዲ እንተ ኾነ በዚ ክትሕጎሱ ኢኹም። እዚ ኸኣ እታ እምነትኩም ሓቂ ከምዝኾነት ኬረድእ እዩ። 1ጴጥ 1፡6
                        ኣብ ግዜ ጾም ክን ገብሮም ዝግብኣና
1. ብስነ ኣእምሮኻ ተሰናዲኻ ጀምሮ። እዚ ማለት በዚ ኣብ ጾም እትርከበሉ እዋን ኣምላኽ ምእንቲ ከሰንየካፍሉይ ጸሎት እናገበርካ ጽናሕ።
2. ኣብ ንስሓ ኣቲኻ ጀምሮ። ክበድ ሓጢኣትካ ኣፍኲስካ እንተጀሚርካዮ፥ ኣብ ካልእ ሓጢኣት ክትድኅንኃይሊ ትረክብ እሞ መንፈሳውነት ጾምካ ይተርር። 
3. ዝተበኣስካዮም ሰባት እንተሃልዮምኻ፡ ምስኣቶም ተዓሪቕካ ጽናሕ።
4. ምስ ኣቦ ነፍስኻ ተሰማሚዕካ ናይ ጊዜ ጾምካ መደብ ኣውጽእ፡ ንሱ ድማ

 
1. በዚ ጊዜ እትገብሮ ጸሎት (ሰዓታቱን፡ ዓይነቱን፡ እትጥቀመሎም መጻሕፍቲ ጸሎትን፡ ወዘተ. )መደብ ኣውጽኣሉ፤
  2: ኣገባብ ጾምካ ኣቐዲምካ ወስኖ (ምንዋሑ፡ ዓይነትን፡ ዓቐንን፡ ሰዓታትን ጾምካ፡ ወዘተ.)
ሐ. ብዘይካ ካብ ምግቢ ምኽልካል፡ ካልእ እትገብሮ መንፈሳዊ ተግባር እንታይ ኪህሉ ይኽእልኢልካ መርምር፡ (ንኣብነት፡ እተንብቦ ክፍሊ ቅ. መጽሓፍን ካልእ መንፈሳዊ መጻሕፍትን፡ ኣብገዝኦም ይኹን ወይ ኣብ መዕቈቢኦም እትበጽሖም ሕሙማትን ሽማግለታትንስኡናትን፣ዝተባእሱ ሰባት ክትዓርቕ ትኽእልዶ ትኸውን? ወዘተ.) 
  3. ፍሬ ጾምካ ከመይ ክተዋፍሮ ኢኻ? ትፈልጦም ስኡናት ኣለውኻዶ ወይ ካልኦት ኪህቡልካዚኽእሉ ሰባት ወይ ማኅበራት ኣለዉኻዶ? ምእንቲ ኪቐለልካ፡ ኣብ ገዛኻ ሓንቲ ንእሽቶ ሳጹን ወይእስቃጥላ ፈሊኻ፡ “ድራር - ክርስቶስ” ኢልካ ክትጽሕፈላ ትኽእል እሞ፡ መዓልቲ መዓልቲዝቈጠብካየን ሳናቲምካ ኣብኡ ክተእትዎ ትኽእል። ከይተፈለጠካ ከይኸበደካን ኣብ መጨረሽታርብሕ ዝበለ ሓገዝ ከምዘዋህለልካ ክትርኢ ኢኻ።

እዚ ሓድሓደ ካብቲ ንጾምካ ጊዜ በረኸትን ጽድቅን ኪገብሮ ዚኽእልን ነጥብታት ኢዩ እሞ እንተ ሓገዘካ፡ንዓመትካ መሊስካ ተመሓይሾን፡ ንዓኻ ዚሰማማዓካን ክትገብሮትኽእል።                            ኢየሱስ ብዲያብሎስ ከም ዝተፈተነ
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ 40 መዓልትን ለይትን ምስ ጾመ እቲ ፈታኒ ሰይጣን ስለስተ ዓበይቲ ፈተናታት ኣቕረበሉ። ዝርዝረን ከኣ እንሆ1, ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ዄንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል። ግናኸ ሕይወት ካብ መብልዕ፡ ሰብነት ድማ ካብ ክዳን ይበልጽ እዩ እሞ ብትበልዕዎን ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ።ንስኻትኩምሲ ቅድም መንግሥቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ እዚ ዅሉ ድማ ክውሰኸልኩም እዩ። ከም ዝበለ ቅዱስ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ብትዕግሥቲ ‘’ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወፅእቃል እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ’’ ዝብል ጥቕሲ ጌሩ ንሰይጣን ኣሕፈሮ።ማቴ 6፡33
2,ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ዄንካስ እግርኻ ብእምኒ ከይትዕንቀፍ በእዳዎም ኪፆሩኻ ይእዝዞም‘ዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ እስከ ንታሕቲ ጽደፍ በሎ። እግዚኣብሔር ንወዲ ሰብ ዝምርምር ኣእምሮንዘስተውዕል ልብን ሂቡዎ እዩ። ዝኾነ ሰብ ድማ ንኣምላኽ ከመስግንን ክእዘዝን እምበር ግብሪ ኣምላኽ ክንዕቕን ንትእዛዙ ክፈታተንን ግቡእ ኣይኮነን። ከምቲ ደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሔር ምስዝፈተንዎ 40 ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ኮለል በሉ። ሰይጣን ድማ ንኢየሱስ ክርስቶስ እስከ ጽደፍ እናበለ ብትዕቢት ፈተኖ። ክርስቶስ ግና ወዲ ኣምላኽ ስለ ዝኾነ ብትሕትና ንእግዚኣብሔርኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ መለሰሉ።3,ተደፊእካ እንተ ሰገድካለይ እዚ ኹሉ ዅሉ ክህበካ እየ በሎ። ኣነ ሕያው እየ ይብል እግዚኣብሔር ኵሉ ብርኪ ኪሰግደለይ ኵሉ ልሳንውን ኣነ ኣምላኽ ምዃነይ ኪእመን እዩ።ሮሜ 14፡11 ይብልቅዱስ ጽሑፍ። ደፋር ዲያብሎስ ግና ክሰግደሉ ንኢየሱስ ሓተቶ። ግናኸ እቲ ክፉእ ነገር ካብ ክፉኣት ስለ ዝወጽእ ደኣ እምበር ንሰይጣንሲ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኮነ ኵሎም ቅዱሳት ኣቦታትውንብሕሱር ግብሩ ረጊጸሞ እዩ። ኣብ ቅድሚ እዛ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰይጣን ይኽሕደካ ኣሎኹ ኢልና ወትሩ ከምንጽሊ ክርስቶስ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽኻ ስገድ ንኣኡ በይኑ ድማኣምልኽ’’ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኪድ ሰይጣን ኢሉ ገኒሑ ኣርሓቖ። ማቴ 4፡10 
ስለዚ፡-
ሀ. ሰይጣን ፈተና ናይ ስስዕቲ ኣቅረበ ። ማቴ 4፡3ክርስቶስ መልሲ ትዕግሥቲ ኣምጽአ። ዘዳ 8፡3
ለ. ሰይጣን ፈተና ናይ ትዕቢት ኣቕረበ። ማቴ 4፡6ክርስቶስ መልሲ ናይ ትሕትና ኣምጽኣ። ዘዳ 6፡16
ሐ. ሰይጣን ፈተና ኣፍቅሮ ንዋይ ኣቕረበ። ማቴ 4፡9ክርስቶስ መልሲ ናይ መንኖ ጥሪት ኣምጽአ። ዘዳ 6፡13
እምበኣር ኣብዚ ዓለም ፈተና ዘይብሉ ሕይወት የልቦን። ንዝኾነ ዓይነት ፈተና ድማ ይዕበ ይንኣስ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ከይተጨነቕና ብጾምን ጸሎትን ምስ ክርስቲያናዊ ትዕግሥቲ እንተ ጾዊርናዮ በቲኣምላኽ ዝህበና ሓይሊ ንዅሉ ከም ንስዕሮ ርጉጽ እዩ።

ጾም ክበሃል ከሎ ክሳዕ ህጂ ትርጉሙ ዘይርድኣና ሰባት ብዙሓት ኢና።ጾም ሃይሊ ክትረክብ ይሕግዝ ጾም ዝዓበየ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ክህልወካ ይገብር። ኣብ ኣከባቢና ካብ እንሪኦን ካብ እንዕዘቦን ነገራት ተልዩ ን ጾም ካብ ዘይምርድኡ ጥራሕ እንገብሮ ጾም ቁምነገር ዘይብሉ ይኸውን።ጾም ክትጸም እትደልየሉ ምኽንያት ኣብ ቅድሚ ኣምላክ ክትርአ ማለት ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ እትበሃግ ሰብ ክትከውን ፡ኣምላኽ ጾሎትካ መታን ክምለስ ኩሉ ነገርካ ሰናይ ንኽኸውን ወዘተ ብዙሕ ጽቡቅን ንኽትረክብን ንኽኾነልካን እንዳ ተነስሕካ ዝግበር ናይ ኣምላኾ መገዲ እዩ።ግን ከምቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ገርና ዲና ንጸውም ዘለና????,,,,,,,,።

ግን ቅድሚ ምጻምናስ እንታይ ክንገብር ይግበኣና።ኣብ ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል ትንቢት ኢሳይያስ58፡1-9። ኣፍካ መሊእካ ጨድር፡ ኣይተቛርጽ፡ ድምጽኻ ኸም መለኸት ዓው ኣብል፡ ንህዝበይ ኣበሳኦም፡ ንቤት ያእቆብ ድማ ሓጢኣቶም ንገሮም።፪ - ኣብ ጸጽባሕ ይደልዩኒ፡ መገድታተይ ኪፈልጢ ድማ ይፈትው። ከምቲ ጽድቂ ዚገብርን፡ ሕጊ ኣምላኹ ዘይሐደገን ህዝብስ፡ ሕጊ ጽድቂ ኻባይ ይደልዩ፡ ናብ ኣምላኽ ኪቐርቡውን ይፈትው።፫ - ስለምንታይ ደኣ ጾምና፡ ንስኻ ድማ ዘይርኤኻን? ስለምንታይከ ነፍስና ኣሕሳእና፡ ንስኻውን ግዱ ዘይገበርካ? እንሆ፡ ብመዓልቲ ጾምኩምሲ ተግባርኩም ኢኹም እትገብሩ፡ ንግዙኣትኩም ድማ ትገፍዕዎም ኣሎኹም።

 

፬ - እንሆ፡ ብባእስን ብምክርኻርን ብሕሱም ምውቃዕ ጒስጢትን ኢኹም እትጾሙ።ድምጽኹም ኣብ ላዕሊ ኸም ዝስማዕ ጌርኩም ሎሚ ኣይትጾሙን ኢኹም ዘሎኹም።፭ - እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምን፡ እታ ሰብ ንነፍሱ ዜሕስኣላ መዓልትን ከምዚ ዘመሰለ ድዩ? ከም ሰልሰላ ርእስኻ ምድናንን፡ ክወን ሓመዂስትን መንጸፍካ ምግባርን፡ ነዚ ዲኻ ጾምን እግዚኣብሄር ዚቕበሎ መዓልትን እትብሎ ዘሎኻ?

 

፮ - እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን?፯ - እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋካውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን?፰ - ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሄርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ።፱ - ሽዑ ኽትጽውዕ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ክብል እዩ።

 

 ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ፡ኣምላኽ እንበኣር ሎሚ ይሓተና ኣሎ።እዚ ትጸምዎ ዘለዉም ጾም ድዩ ጾም እትብቭልዎ ዘለኹም እዚ እንዳተበኣስኩም እዚ እንዳተካሰስኩም እዚ እንዳተሓሳሰኹም ይብለና ኣሎ። እስከ ነገርናን ነገር ቤተ ክርስትያናን ነገር ስድራናን ንርአ ።ናይ ብሓቂ ከ ከምዚ ንጸሞ ዘለና ገርና እንዳጾምና ዲና ምላኽ ክሰምዓና ኢልና ንሓስብ፡ ቅድሚ ምጻምናስ ምስ የሕዋትና ምስ መገላግልትና ምዕራቅ ዶ ኣይምሓሸን። ብቅርሕን ተንኮልን መንቅን ውስጥና ሸቲቱ

 

ነንሕድሕድና ክንጻላለም እንዳወዓልና፡ ካብ ዝለዓለ ጳጳስ ክሳዕ ዝተሓተት ምእመን ናይ በዛ መገዲ እዚኣ ገርናስ ምስ ኣምላኽ ክንዕረቅ እንሓስብ ፡እንድሕሪ ሃሊና ኣምላኽ ዝብለና ከምቲ ኣነ ዝቅበሎ ዝሰምዖ ገርኩም ኣይትጸሙን ዘለኹም እዩ ክብለና።እዚ ኩሉ ክፋእ ብኣና ብክርስትያናት እንዳ ተገብረ ናይ ብሓቂ ኣብ ዕሽነት ኣለና ጾምና ኣምላኽ ክቅበሎ፡ ኣብ ጾማን ንስጋን ጥዑም መባልዕን ጥራሕ ተኸልኪልና እቶም ካሊእ ግዜ እንገብሮም ክፋእ ተግባራትና ንሰርሕ ተሊና ተታሊልና ኣለና።ስለዚ ንጾምና ከም ጾም ቅዱሳን ብኹሉ ነሰንዮ። ኣምላኽ ጾምና ክቅበሎ ተደሊና ብ መገዲ ቅዱሳን ብንጽህና ንቅረብ፡የእዳውና ካብ ደም ሰብ ነንጽሃዮ። ጳጳሳት ካህናት ፡ዲያቆናት፡ምእመናን ኣበይ ኣሎ እቲ ኣምሳል ክርስቶስ ዝኾነ ኣብኦም ፓትሪያርኮም  ተባሂልና ኣነ ዶ ሓላዊ ናቱ ነረ እየ እንድህሪ ኢልና ከም ቃየል ዘሕዝን ነገር እዩ። እንታይ ደኣ ብጸኦምን ጾሎትን ስለኦም ኣብ ጸበቦኦም ተሓቢርና ግን በረኸት ንቋደስ።
 

ቀኖና (ሕጊ) “ቤተ ክርስትያንና”

                                 ቀኖና (ሕጊ) “ቤተ ክርስትያንና”

ቀኖና ሰባት ብኢደ ወነናኦም ከም ዘይሰርዕዎ ሓዋርያ ጳውሎስ ደጊሙ ክገልጸልና ከሎ “ንሕና ኸእ መንፈሳዊ ነገር ምስ መንፈሳዊእናኣሰማማዕና መንፈስ ቅዱስ ብዚምህረሉ ቓል እምበር ጥበብ ሰብ ብዚምህረሉ ቓል ኣይኰንናን እንዛረብ ዘሎና” (1ቄረ፡2፡13)። 

ጎይታ’ውን እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ ንሱ ነቲ ዚመጽእኬፍልጠኩም ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ። ከም ዝበለ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ብዘይ መሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ኣይስራዕን።(ዮሃ፡16፡13)። እቲ መንፈስ ባዕሉ ከም ዝምህርን ዝመርሕን ድማ “እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ ንሱ ዅሉኺምህረኩም ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ ይብል። (ዮሃ፡14 26)

ብ51 ዓ.ም ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ሓዋርያት ኣብ ዮሮሳሌም ተጀመረ

ንመጀመርታ ግዜ እቶም ካብ ኣይሁድነት ናብ ክርስትና ዝኣተዉ “ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ ጸጋን ሓቅን ግና ብኢየሱስ ክርስቶስመጸ። እምብኣርከስ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና” ዚብል ስለ ዘይተረድኦም ጌና ሥጋውያን ስለ ዝነበሩኣብ ሞንጎ ሥርዓት ሙሴን ሥርዓት ሓዱሽ ኪዳንን ጸጋን እንታይ ምዃኑ ስለ ዘይተረድኦም “ነቲ ብሕጋጋት ዚቓወመናን ዚበኣሰናንዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከልና ኣርሓቖ ዝብል ጽሑፍ’ውን ስለ ዘየስተዓልዎ(ቄሌሴ 2፡14) ነቶም ካብ ኣህዛብ ናብ ክርስትና ዝመጹ ዝነበሩ ሓደሽቲ ክርስቲያናት ንስርዓት ሙሴ ክትቅበሉ ኣለኩም እናበሉ ስለዘሸገርውም።
 ብ51 ዓ.ም. ብመሪሕነተ መንፈስ ቅዱስ ሓዋርያት ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዮሩሳሌም ተኣኺቦም ሓዱሽ ሥርዓት ሰርዑ።በዚ ምኽንያት ቀኖና ጅመርቱ ሓዋርያት ባዕላቶም ከም ዝነበሩ ክነረጋግጽ ንኽእል። ግብሪ 15፡1፡41

                       ዕላማኡ ንቤተ ክርስቲያን ካብ ኩሉ ስራሕ ሰይጣን ክሕልዋ።

1.ካብ ዘመነ ሓዋርያት ክሳብ ክሕደት ኣርዮስ፥ በብዓይነቶም ከሓድቲ ኣብ ውሽጣ እና በቖሉ የሸግርዋ እኳ እንተ ነበሩ ከምቲ ኣብ ግዜኣርዮስን መቅደንዮስን ንስጥሮስን ጌሩ ዝፈታተና ክሕደት ስለ ዘይተራእየ ኣብቲ ግዜ እቲ ንልምዳዊ እምነታ ምስ ዶግማ ኣነጻጺራ ሓንሳብንሓዋሩ ብጽሑፍ ክትምዝግቦ ዝኸኣለትሉ እዋን ነበረ።

2.ቀዳማይ ኽሕደት እቲ ብ325 ዓ.ም ኣርዮስ “ወልዲ ፍጡር እዩ” ዝብል ዘጋጠማ ክሕደት ንዶግማ ኣነጻጺራ “ወልዲ ተወልደእምበር ኣይተፈጥረን” ኢላ ኣረጋጊጻ ነቲ ኣብ መዝገብ ዘይሰፈረ ልምዳዊ ትምህርታ ኣብ መዝገብ ከተስፍሮ ቀዳማይ ጉባኤኣ ኣብ ኒቕያተጋብኤት። እዞም 318 ሃይማኖቶም ቅኑዕ ዝኾነ ብ325 ዓ.ም. ኣብ ኒቅያ ዝተጋብኡ ኧቦታት "ወልድ" ካብ ብርሃን ዝተረኽበ ብርሃን:ካብ ኣምላኽ ዝተረኽበ ኣምላኽ: ፍጹም ኣካል ስላሴ እዩ ኢሎም ኣብ ርእሲ ምዝዛሞም፥ ንትምህርቲ ኣርዮስ ሓንሳብ ንሓዋሩ ካብማእከል ቤተ ክርስቲያን ኣለይዎ።

3.ድሕሪ እቲ ብ325 ዓ.ም. ብኣርዮስ ዝተፈጸመ፥ ቤተ ክርስቲያን እንደገና ንኻልኣይ ግዜ ብ381ዓ.ም. ነቲ መቅዶንዮስ ን"መንፈስቅዱስ" ካብ ኣብን ወልድን ይንእስ ኢሉ ዝመሃሮ ትምህርቲ ክሕደትን ምስኡ ድማ ነቲ ኣጶሎሮስ “ወልዲ ሰብ ጥራይ እዩ ኔሩ” ዝበሎንንዶግማ ክምርምሩ 150 ኣቦታት ኣብ ቁስጥንጥንያ ተጋብኡ። እዞም 150 ኣቦታት እዚኣቶም ድማ ንዶግማዊ ቃል ኣምላኽ ኣመሳኺሮም"መንፈስ ቅዱስ" ማዕረ ኣቦን ወልድን ከም ዝኾነ: ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ፍጹም ሰብን ፍጹም ኣምላኽን ከም ዝዀነንተኣሚኖም ንእምነቶም መዝገብዎ። ንመቕዶንዮስ ንኣጶለርዮስን ድማ ካብ ቤተ ክርስቲያን ኣለይዎም።
4.እንደገና ብ428 ዓ.ም. ነቲ ንስጥሮስ “ማርያም ሰብ ጥራይ ስለ ዝወለደት ወላዲት ሰብ እምበር ወላዲት ኣምላኽ ኣይትብሃልን” ኢሉዝመሃሮ ትምህርቲ ብዶግማ ጌሮም ክምርምሩ 200 ኣቦታት ኣብ ኤፌሶን ተጋብኡ። እዞም ክልተ 200 ኣቦታት “ድንግል ማርያምወላዲት ሰብ” ንዝበሎ ክሕደት ምስ ዶግማ ቃል ኣምላኽ ኣነጻጺሮም “ድንግል ማርያም ወላዲት ኣምላኽ እምበር ወላዲት ሰብኣይትብሃልን” ኢሎም ንንስጥሮስ ካብ ቤተ ክርስቲያን ነጸለልዎ።
 
5.“ዳኛ ዘየብሉ ነገር ጥፉእ ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ድፉእ” ከም ዝተባህለ፥ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ብኻልኦትን በዞም ሰለስተ ከሓድትንዝተፈተነቶ ፈተና ምስ ሓለፈት ኩሉ ግዜ እናተኣከበት ክትከራኸር ከይትነብር ነቲ ኣብ ልምዳ ዝጸንሔ ቆኖናዊ እምነታ ሓንሳብ ንሓዋሩኣብ ጽሑፍ ኣስፈረቶ። ንሱ ድማ እቲ ክሳብ ሕጂ ንጥቀመሉ ዘሎና ፍትሓ ሥጋውን ፍትሓ መንፈሳውን ወይ ድማ (ፍትሓ ነገሥት)ተባሂሉ ዝጽዋዕ መጽሓፍ ቀኖና ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዩ።

ፍትሓ ሥጋዌ ዝተጻሕፈሉ ምኽንያት ንጉሥ ቁስጣንጢኖስ ደረት ሠማያውን ምድራውን ምምሕዳር ዘይፈልጥ ስለ ዝነበረ ንቤተክርስቲያን ድማ ብቐጥታ ክእዝዛ ዝኽእል ኰይኑ ይመስሎ ስለ ዝነበረ፥ ክሳብ “ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሃገር ብነገስታት ትምሓደር ቤተክርስቲያን ድማ ብጳጳሳት ትመሓደር” እዚ ማለት “ናይ ቄሳር ንቄሳር ናይ ኣምላኽ ድማ ንኣምላኽ ከም ተባሂሉ እዩ፥ ኢሉ ስለ ዝነጸረሉቤተ ክርስቲያን ንንጉስ ቁስጢንጢኖስ ሕጊ ፍትሓ ሥጋዌ ሰሪዓ ሃበቶ።
6.ፍትሓ መንፈሳዊ ግና፥ ቤተ ክርስቲያን ንባዕላ እትመሓደሉ ሥርዓታ እዩ። እዚ ድማ እዩ ቀኖና ተባሂሉ ዝጽዋዕ።

ብኻልእ ኣዘራርባ ቀኖና ንምትርጓምን ንምሕላውን ቓል እግዚኣብሔር እዩ ተሰሪዑ። ማለት ናብቲ ንጹህ ዝዀነ ቓል እግዚኣብሔርኣበር ከይውሰኾ ዝሕሉ ጽሑፋት ሓዋርያትን ኣቦታትን ብመንፈስ ቕዱስ ተመሪሖም ዘቑሙዎ ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያን እዩ። ንቀኖናእንተነውሔ ከተሕጽረሉ እንተሓጸረ ድማ ክትልቕበሉ በቶም ነዚ ሥርዓት እዚ ዝሰርዑ ኣቦታት ተፈቒዱ ኣሎ። ይኹን እምበር ቀኖናብምልእታ ቤተ ክርስቲያን (ecumenical Councils) ብመሪሕነት መንፈስ ቕዱስ ስለ ዝስራዕ፥ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ወይ መራሒቤተ ክርስቲያን፡ ወይ መራሕ ሃገር።
 ቃሕ ስለ ዝበሎ ተነጺሉ ከውስኽ ወይ ከጉድል ኣይፍቀደሉን። ከመይሲ ቀኖና ሓላው እምነትሓላው ትምህርቲ ቓል እግዚኣብሔር ስለ ዝዀነ። ነቶም ኣብ እምነት ዘለዉ ኣብ መትከል እምነት ክሳዕ ሞት ምእንቲ ክጸንዑ ካብ ሰበኻክሳብ ዓለምለኻዊ ዘለዉ ዘነባብር። ክሳብ ዳግማይ ምጽኣት ክርስቶስ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ከይቅየር ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ዝሕሉጽሑፋት እዩ። እቲ ንቀኖና ብዘይ መገዱ ዝወስድ ወይ ዝስዕሮ ንመንፈስ ቅዱስ እዩ ዝጸርፍ።

ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዅሉ ኸኣ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፥ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ኣይሕደገሉን እዩ። (ሉቃ 12፡10 ማቴ፡12፡31-32) 
“ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር ንሓለውቲ ሕጊ ኣይተሰርዔን”

ኣቲ ናብ መቄዶንያ ክኸይድ ከሎኹ ገሊኦም ካልእ ምህሮ ኸይምህሩ ወይስ ናብ ጽውጽዋያትን መውዳእታ ናብ ዜብሉ ቑጽሪወለዶታትን ከየድህቡ ኽትእዝዝ እዚ ኣብ ክንዲ እቲ ብመጋቢነት ኣምላኽ እሙን ምዃንሲ ዚበዝሕ ክትዕ የምጽእ እዩ ኢለ፥ ኣብ ኤፌሶንክትቕመጥ ከም ዝመዓድኩኻ ሕጂውን ከምኡ እብል ኣለኹ። እታ መደምደምታ ትእዛዝ ግና ፍቕሪ ኻብ ንጹህ ልቢ ካብ ሰናይ ሕሊና፥ካብ ልግሚ ዜብላ እምነት እያ። ገሊኣቶም ካብዚ ዘምቢሎም ናብ ዘረባ ሃተውተው ተመሊሶም ነቲ ዚብልዎ ወይስ ነቲ ዜረድእዎዘየስተውዕልዎ ኽነሶምሲ መምህራን ሕጊ ኺዀኑ እዮም ዚደልዩ።
ግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፥ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ ካብፈለጥናስ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈልጡን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን ንቐተልቲነፍሲ ነመናዝር ግብሪ ሶዶም ንዚገብሩንሸየጥቲ ሰብ ንሓሰውቲ ብሓሶት ንዞምሕሉ ሓደ ኻልእ’ውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረርእንተሎ፥ ንኣታቶም እዩ። 
እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ።1ጢሞ፡1፡4-11
ሽዑ ፈሪሳውያን ሓያሎ ኻብ የሩሳሌም ዝመጹ ጸሓፍትን ናብኡ ተኣኸቡ። ንሓያሎ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ብዝረኸሳ ማለትብዘይትሓጽባ እእዳው እንጌራ ኺበልዑ ኸለዉ ረኣይዎም። ፈሪሳውያን ኹሎም ኣይሁድን ሥርዓት ዓበይቲ ምእንቲ ኺሕልዉ፡ኣእዳዎም ኣጸቢቖም ከይተሓጽቡ ከቶ ኣይበልዑን ነበሩ እሞ፡ ካብ ዕዳጋ ምስ መጹውን፡ ከይተሓጽቡ ኣይበልዑን ነበሩ። ካልእ ብዙሕድማ፡ ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን ድስትን ዓራትን ዚመስል፡ ኪሕልውዎ ኢሎም እተቐበልዎ ነበሮም።
 ጸሓፍት ፍሪሳውያንን ድማ፡ስለምንታይ ደቀ መዛምርትኻ ኸም ብሥርዓት ዓበይቲ ዘይከዱ፡ ኣእዳዎም ከይተሓጽቡ እንጌራ ዚበልዑ፡ ኢሎም ሓተትዎ። ንሱ ኸኣበሎም፡ ኣቱም ግቡዛት፡ ከምቲ ጽሑፍ፡ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ፡ ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ሥርዓት ሰብእናመሃሩ፡ ብኸንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል፡ ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ።
 ትእዛዝ ኣምላኽ ሓዲግኩም ሥርዓት ሰብ ትሕልዉኣለኹም፡ከም ምሕጻብ ጣሳን ዕትሮን፡ ብዙሕ ካልእ ድማ ነዚ ዚመስልን ትገብሩ ኣሎኹም።ሥርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝኣምላክ ኣፍሪስኩምሲ ጽቡቕ ድኣ።
ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቓል ዜውስእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ ኣሎ። ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቑርባን ገይረዮ ኣየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎም፡ ደጊም ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎምከቶ ኣይተፈቕዱሉን ኢኹም። ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ሥርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ ኣሎኹም።

ነቶም ህዝቢ ኸም ብሓዱሽ ጸዊዑ፡ ኩልኹም ስምዑንን ኣስተውዕሉን። ካብ ሰብ ዚወጽእ እዩ ንሰብ ዜርክሶ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ናብሰብ ዚኣቱስ ገለ እኳ ኼርክሶ ኣይክእልን እዩ። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ፡ በሎም። ካብቶም ህዝቢ ተፈልዩ ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ምስላዚ ሓተትዎ። በሎም ከኣ፡ ንስኻትኩም’ዶ ድማ ክሳዕ ክንድዚ ደናቑርቲ ኢኹም፡ ካብ ወጻኢናብ ሰብ ዚኣቱ ኹሉ ኼርክሶ ኸም ዘይክእልዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፡ ናብ ከብዲ እምበር፡ ናብ ልቢ ኣይወርድን እዩ እሞ፡ ንኹሉመባልዕ እናጽረየ ድማ እዩ ንግዳም ዜውጽእ። በለ ድማ፡ እቲ ኻብ ሰብ ዚወጽእ ድኣ እዩ ንሰብ ዜርክሶ። ካብቲ ውሽጢ ልቢ ሰብ ክፉእሓሳብ ይወጽእ እዩ እሞ፡ ምንዝር፡ ስርቂ፡ ቅትለት፡ ዝሙት፡ ጸርፊ፡ ኹርዓት፡ ዕሽነት። እዚ ዅሉ ክፉእ ካብ ውሽጢ እዩ ዚወጽእ፡ ንሰብከኣ የርክሶ። (ማር፡7፡1-23)። 
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘንበብናዮ ዘይምሃረ ነይሩ እንተዝኸውን፡ ሃዋርያት ውዒሎም ሓዲሮም ከም ፈሪሳውያንክኾኑ ግድን እዩ። ከመይሲ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ዝርእይዎ ዝነበሩ ዘይተኣደነ ሃይማኖታዊ ውድቀት ምጥሓስ ሕጊን እምበር፡ምሕረት ፍቕርንሲ ኣይነበረን።
ቀኖና ንምንታይ ኣድለየ
፩.ንቤተ ክርስቲያን ብስርዓት ምምራሕ።
፪. ንቤተክርስቲያን ካብ ትምህርቲ መናቓንን ቢጽ ሓሳውያን ንምሕላው 
፫.ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ናይ መናፍቓን መጻሕፍቲ ንምፍላት 

ካብ ይሁዳ ዝወረዱ ሓያሎ ድማ ነቶም ኣሕዋት፡ ከም ስርዓት ሙሴ እንተ ዘይተገዘርኩምሲ ክትድሕኑ ኣይኰነልኩምን እዩ፡ ኢሎምመሃርዎም። ኣብ መንጎኦምን መንጎ ጳውሎስን በርናባስን ብዙሕ ምፍልላይን ክትዕን ምስ ኰነ ኸኣ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካባታቶምውንሓያሎ ኻልኦትን ብዛዕባ እዚ ባእሲዚ ናብ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ናብ የሩሳሌም ኪድይቡ ምርደቡ። ግብ፡ 15፡1

ካብቶም ዝኣመኑ ወገን ፈሪሳውያን ግን ሓያሎ፡ ኪገዝርዎምን ምሕላው ሕጊ ሙሴ ኺእዝዝዎምን ይግባእ እዩ፡ ኢሎም ተንስኡ።….ግብ፡15፡5 

እምበኣርስኸ ሕጂ ነቲ ኣቦታትናን ንሕናን ክንጸሮ ዘይከኣለና ኣርዑት ኣብ ክሳድ ደቂ መዛሙርቲ ብምንባርኩም ስለምንታይ ንኣምላኽእትፍትንዎ፧….ግብ፡15፡10

፩. ሓዋርያዊ ሲኖዶስ ዝወሰንዎ ምሉእ ቓል፡

ምሳታቶም ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ ሰደዱ፡ ንሕና ሓዋርያትን ሽማግሌታትን ኣሕዋትን ኣብ ኣንጾክያን ኣብ ሶርያን ኣብ ቂልቅያን ካብኣህዛብ ንዘሎኹም ኣሕዋት ሰላም ንብለኩም ኣሎና። ንሕና ዘይኣዘዝናዮም፡ ገለ ኻባታትና ወጺኦም ክትግዘሩ ሕጊ ኽትሕልዉ ኢሎም፡ብቓሎም ከም ዝህውኹኹምን ንልብኹም ከም ዘዕገርገሩን ስለ ዝሰማዕና፡ ምስ እዞም እነፍቅሮም በርናባስን ጳውሎስን፡ ምእንቲ ስምጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወቶም ኣሕሊፎም ዝሃቡ ሰባት፡ ናባኻትኩም እንሰዶም ሰባት ክንሓሪ ሰሚርና ብሓደ ዄንና መደብና።ስለዚ ይሁዳን ሲላስን፡ ንሳቶም ነዚ ብኣፎም ድማ ኪነግርኹም፡ ሰዲድናልኩም ኣሎና። ብዘይ እቲ እተገብኤ፡ ማለት፡ ንጣኦታት ካብእተሰውኤ ደምን፡ ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ድኣ ኽትክልከሉ እምበር፡ ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም፡ ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናንተራእዩና እዩ እሞ፡ ርእስኻትኩም ካብዚ እንተ ሓሎኹም፡ ጽቡቕ ክትረኽቡ ኢኹም። ደሓን ኩኑ። ግብ፡ 15፡23-29

፪. ንቤተ ክርስቲያን ብሥርዓት ምምራሕ

1. ኣብ ዘዝኣተውዋ ኸተማ ኸኣ እቲ ሃዋርያትን ሽማግሌታትን ኣብ የሩሳሌም ዝሓገጉሎም ሕጋጋት ኪሕልዉ ኣዘዝዎም። ስለዚ እተንማሕበራት በዚ ኸምዚ ብእምነት ይጸንዓ፡ ቁጽረን ድማ ኣብ ጸጽባሕ ይውስኽ ነበረ።……………………………...ግብ፡ 16፡4-5

2. ሕጂ ድማ ብዅሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሓዝኩምዎን እንእደኩምኣሎኹ።………………………………………፩ቆረ፡11፡2
3. ብሥጋ እኳ ምሳኻትኩም እንተ ዘየለኹ፡ ብመንፈስ ምሳኻትኩም እየ፡ ስርዓትኩምን ጽንዓት እምነትኩም ብክርስቶስን እናርኤኹውንእሕጎስ ኣሎኹ።………ቆለ፡ 2፡5
4. ደጊም ኣቱም ኣሕዋትና፡ ጸኒዕኩም ቁሙ እሞ ነቲ ብቓልና ወይስ ብደብዳቤታትና እተመሃርኩምዎ ትምህርቲሓዝዎ።……………………………………... ፪ተሰ፡2፡15
5. እምብኣርስ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ካብቲ በቲ ኻባና እተቐበሎ ምህሮ ዘይነብር፡ ብዘይ ስርዓት ዚመላለስ ዘበለ ሓው ክትፍለዩ፡ ብስምጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣሎና። ፪ተሰ፡3፡6
6. ግናኸ ዅሉ ድኣ ብሥርዓትን በጋባብን ይኹን።……………………..፩ቆረ፡14፡40
7. ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ በርትዑ።………………፩ቆረ፡ 16፡13
፫.ቅዱሳት መጻሕፍቲ ካብ ናይ መናፍቓን መጻሕፍቲ ንምፍላይ። 

1.ነዚ ኣባና ብርግጽ እተኣምነ ነገር ዛንታኡ ኺጽሕፉ ካ ዚጅምሩ፡ እቶም ካብ መጀመርታ በዒንቶም ዝረኣዩን ኣገልገልቲ እቲ ቓልዝነበሩን ከም ዝነግሩና፡ ኣታ ኽቡር ቴዎፍሎስ፡ ኣነ ኸኣ ንኹሉ ኣዳላዲለ ኻብ ጥንቲ ሰሚዔዮ እየ እሞ፡ ሓቂ እቲ እተመሃርካዮ ምህሮኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽይፈልጥሲ፡ በብተራኡ ኽጽሕፈልካ ይረኣየኒ ኣሎ። ሉቃ፡ 1፡1-4
2.ካብቲ ብጸጋ ክርስቶስ ዝጸውዓኩም ከምዚ ቐልጢፍኩም ናብ ካልእ ወንጌል ምግልባጥኩም ይገርመኒ ኣሎ። እዚውን ገለዜዕገርግሩኹምን ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ኪልውጥዎ ዚደልዩን ከም ዘለዉ ማለት እዩ እምበር፡ ካልእ ወንጌልሲ ኣይኰነን። ግናኸ ንሕናእኳ እንት ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝይኹን። ከምቲ ቕድም ዝበልናዮ፡ ሕጂውን ከም ብሓድሽ ብዘይ እቲ እተቐበልኩምዎስ ካልእ ወንጌል ዚሰብኽ እንተሎ፡ ንሱ ውጉዝይኹን፡ እብል ኣሎኹ።…..ገላ፡ 1፡6-9

3.ብትዕስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘብለ ዅሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።….…………………………………ሮሜ፡ 15፡4

4.ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካዮ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስ ኢየሱስ ንምድሓንኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተመሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውን፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕጻዕ፡ ንጽድቂ ዚኽውንምእዳብ ይጠቅም እዩ።፪ጢሞ፡ 3፡14-17
5.ኩሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ ቅድሚ ኹሉ እዚ ፍለጡ። ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፈቓድ ሰብ ኣይመጸን።…………………………………….፪ጴጥ፡ 1፡20-21

ምንጪ መጻሕፍቲ ቀኖና
1. 85 ሓዋርያዊ ቀኖናት፡……………………………………………...…ቀኖና 85
2. ሲኖዶስ ዘቤተ ክርስቲያን ትእዛዝ.57/56፡………………………….….ቀኖና 56
3. ሲኖዶስ ዘቅዱሳን ሓዋርያት ኣብጥሊሳት 82፡…………………....……ቀኖና 81
4. ሲኖዶስ ዘቅዱሳን ሓዋርያት ኣብጥሊስ 81………………………..…...ቀኖና 80
5. ሥርዓተ ሓዋርያት ትእዛዝ 80፡………………………………….…….ቀኖና 80
6. ቀኖና ዘሎዶቅያ፡ (ላኦዶቅያ)……………………………….…...መበል 60 ቀኖና
7. ቀኖና ዘቅርጣግና፡……………………………………….………...….ቀኖና 24/32
8. መልእኽቲ ኣትናቴዎስ…………………………………..…መልእኽቲ መበል 39
9. ቀኖና ጎርጎርዮስ……………………………………………...….....ቀኖና 1
10. ቀኖና ኣምፊሎክዮስ ዘኢቆንዮን………………………….…………ቀኖና 1
11. ፍትሓ ነገስት ኁልቄ መጻሕፍቲ…………………………………..ዓንቀጽ 2
ቀኖና ክመሓየሽ ይኽእል እዩ፡
ቀኖና ክመሓየሽ ይኽእል እዩ፡ ዝመሓየሸሉ ግና፡ ብጉባኤ ቕዱስ ሲኖዶስ ጥራይ እዩ። ንምስክር ድማ ከምዚ ዝስዕብ ጌርና ነቕርብ።

1. “ኩሉ ብስርሑ ፍጹም ዝኽነ፡ ነቲ ጎደሎ ዝዅነ ክስዕር ይኽእል እዩ። ስለዚ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ሕጊ (ወንጌል) ነቲ ቅድሜኣዝነበረ ሕጊ (ኦሪት) ሰዓረቶ። ወንጌል ግና ካብኣ ዝበልጽ ስለ ዘየለ፡ ክትሰዓር ኣይግብኣን። ወንጌል ናይ ኩሉ ፍጽምና ሕጊ ድማ እያ”።ፍ/ነገስት ገጽ 7፡

2. “መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኩላትና ሓዲሩ እዩ እሞ፡ ንሕና ዘጉደልናዮ እንተሎ፡ ንስኻትኩም ብኽርዳእ ዝኽእል መገዲፍረዱ”።……………………………………………..ትእዛዝ 71፡
3. “ዝዅነ ካባና ዝተረፈ ኤጲስቆጶስ ይፈጽምዎ”።…………………………ትእዛዝ 35

4. “ፍቑራት ኣሕዋትና ቤተ ክርስቲያን ናብ ወደብ ጸጥታ ምእንቲ ክትምራሕ፡ ካባና ዝተረፈ ዘበለ ዝኾነ ዓይነት ሥርዓት ክሰርዕ፡እግዚኣብሔር ይግለጸሉ”።...ትእዛዝ 47
5. “እምበኣርከስ፡ ኣብ መውዳእታ ናይዚ መጽሓፍ እዚ፡ ንሊቓውንቲ ዘድልዮም ዘበለ ተጻሒፍሎም ኣሎ። ኣብ ልዕሊኡ ክውስኹ ወይክቕንሱ ድማ ተፈቒድሎም ኣሎ”። ፍ/ንገ መቕድም11

                                                                      መጠቓለሊ ቀኖና

ዓላማ ቀኖና

ብዛዕባ ኣሽያይማን ኣመሓዳድራን ውሉደ ክህነት።ግብ፡27፡3-10 ፩ጢሞ3፡1-13 ግብ፡6፡1-7
ብዛዕባ ኣጽዋማት መዓልታትን ኣመጋግባን ወርሓቱን፡ 2ሳሙ፡ 12፡21 1ነገ፡ 21፡9 እዝ፡8፡21 ማቲ፡6፡16..9፡14…9፡15ሊቃ፡18፡12 ግብ፡27፡9 ግብ፡13፡2-3
ብዛዕባ በዓላት ምውሳኽን ምቅናስን፡ መዓስ ከም ዝውዕሉን፡ ምሳ፡ 15፡15 1ቆረ፡5፡8 ኢሰ፡25፡6

ብዛዕባ ቅዳሴን ስርዓተ ቅዳሴን መዓስን ከመይን ከም ዝኸውን፡ ግብ፡ 5፡19 ግብ፡13፡2

ብዛዕባ ደቂ ኣነስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መውጽእን መእተውን ኣፍደገታት ምሕላው፡
ብዛዕባ ኣገልግሎት ጥምቀት ኣብ 40 መዓልትን 80 መዓልትን
ብዛዕባ መስቀል ምስላም፡
ብዛዕባ ቅዱሳት ስእልታት፡
ብዛዕባ ኣገልግሎት ታቦት ሓዱሽ ኪዳን፡
ብዛዕባ ኣገልግሎት ቤተ መቕደስ፡
ብዛዕባ ኣገልግሎት ንስሓ
ብዛዕባ ተስካርን ዝክርን፡
ብዛዕባ ጸሎተ ፍትሓትን ዝኣመሰሉ ዝሕግግን ዝሰርዕን እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ቀኖና መገዱ ከይሰሓተ ኣብ ኣድላዪ ዝዅነ እዋንክመሓየሽ ይኽእል እዩ።
ስለዚ ዶግማ ኣይመሓየሽን፡…..ቀኖና ግን ይመሓየሽ።
ዶግማ ኣይቅነሶን፡………ቀኖና ግን ይቅነሶ።
ኣብ ዶግማ ሓንቲ ቃል ወይ ፊደል ክትውስኽ ኣይትኽእልን፡ ቀኖና ግና ይውሰኾ።